ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕ/ሃ ሓደ ሲሶ ካብ ህዝቢ ሱዳን ቅልውላው ጥምየት ከምዘጋጠሞ ኣፍሊጡ


ኣብዚ ሕጂ እዋን ሓደ ሲሶ ካብ ህዝቢ ሱዳን ብሰንኪ ፀገም ኩነታት ኣየር፣ ፖለቲካዊ ዕግርግርን ኣብ ዓለም ብዘጋጠመ ናህሪ ዋጋ መግብን ኣብ ቅልውላው ጥምየት ከምዝርከብ ትማሊ ሓሙስ ገሊፁ።

ፕሮግራም መግቢ ዓለምን ውድብ መግብን ሕርሻን ብሓባር ኣብ ዘውጽእዎ ፀብፃብ ኣብ መላእ 18 ክፍለ-ግዝታት ሱዳን 15 ሚሊዮን ህዝቢ ከቢድ ፀገም ውሕስነት መግቢ ከምዝርከቡ ገሊጹ'ሎ።

ኣብ ሱዳን ወኪል ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኤዲ ሮው "ግጭት፣ኩነታት ኣየር፣ቁጠባውን ፖለቲካዊን ቅልውላዋት፣ናህሪ ዋጋን ድኹም ምህርትን ተደሚሮም ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ናብ ዓሚቕ ጥምየትን ድኽነትን ኣትዮም ኣለው’’ኢሎም ።

እቲ ፀብፃብ ንሰብኣዊ ረድኤት ኩሉ ዘድልይ ገንዘብ ብዘይምርኻቡ 40% ህዝቢ ሱዳን ክሳብ መስከረም ናብ ፀገም መግቢ ክኣትው እዩ ይብል ።

ንሶም ብተወሳኺ "እናወሰኸ ይኸይድ ዘሎ ደረጃ ጥምየት ንምውጋድን ህይወት ናይ ዝተሃሰዩ ሰባት ንምድሓንን ብዘውይውዓል ሕደር ስጉምቲ ክንወስድ ኣለና"።

XS
SM
MD
LG