ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕ/ሃ ህይወት የመናዊያን ንምድሓን ዓብይ ናይ ገንዘብ ምትእኽኻብ ኮንፈረንስ የካይድ'ሎ


ሕቡራት ሃገራት ህይወት የመናዊያን ንምድሓን ዓብይ ናይ ገንዘብ ምትእኽኻብ ኮንፈረንስ ከካይድ እዩ።ኣብ የመን ንኣስታት ኣርባዕተ ዓመታት ብዝቐፀለ ኲናት ሓድሕድ ብሕሰም ይሳቐዩ ንዘለው ኣስታት 19 ሚሊዮን ሰባት ናይ ህይወት ኣድሕን ሓገዝ ንምቕራብ ክብረ ወሰን ዝሰበረ መጠን ገንዘብ ሓቲቱ’ሎ።

ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ ንዘቕረቦ ናይ 4.2 ቢሊዮን ዶላር ሓገዝ ፅቡቕ ግብረ መልሲ ክረክብ ተስፋ ገይሩ’ሎ።

ብመሰረት ፀብፃባት ሕቡራት ሃገራት 80 ሚእታዊት ህዝቢ የመን ወይ ኣስታት 24 ሚሊዮን ሰባት ሰብኣዊ ረድኤትን ሓለዋ ጸጥታን የድልዮም።ኣስታት 10 ሚሊዮን ሰባት ብዓፀቦ ተጠቒቖም ኣለው።ካልኦት ሚሊዮናት ድማ ንባዕሎም ይኹን ንስድርኦም ክምግቡ ኣይክኣሉን።

ነቲ ናይ መፅብዓ ኮንፈረንስ ዝፀውዑ ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረስ ዓለምለኸ ሓገዝቲ ከቢድ ኢሎም ንዝፀውዕዎ ቅልውላው ክልግሱ ምሕፅንታ ኣቕሪቦም።

ብሰንኪ ኣብ 2015 ዝተባርዐ ግጭት ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ሞይቶም ወይ ቆሲሎም ኣለው ክብሉ እውን ጉተረስ ሓቢሮም። ጉተረስ ብተወሳኺ ከምቶም ኩሎም ግጭታት ዝለዓለ ዋጋ ዝኸፍሉ ዘለው ነቲ ኲናት ዘይጀመሩዎ ህፃናት እዮም ኢሎም።

XS
SM
MD
LG