ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕ/ሃ ህይወት ኣብ ከተማታት አላማጣ:መኾኒን መቐለን ናብ ንቡር ይምለስ ምህላው ኣፍሊጡ


ኣብ ደቡባዊ ትግራይ ከተማታት ኣላማጣን መኾንን፡ ከምኡ`ውን ኣብ ከተማ መቐለ፡ ህይወት ናብ ንቡር ይምለስ ከምዘሎ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

ወሃቢ-ቓል ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ካብ ኒው ዮርክ ብመሰረት ኣብቲ ከባቢ ዝኣተዉ ትካላት ረድኤት ሕቡራት ሃገራት፡ ከም ኤለክትሪክን ተሌኮሚንኬሽንን ዝበሉ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ዳግም ጀሚሮም ኣለዉ፡ ከምኡ`ውን ካብቲ ከባቢ ተፈናቒሎም ዝነበሩ ሰባት ተመሊሶም ወይ ድማ ይምለሱ ኣለዉ ኢሉ።

እንተኾነ መብዛሕቲኡ ንብረቶም ወይ ተዘሚቱ ወይ ዓንዩ`ዩ ይብል። ኣተሓሒዙ ብውሕዱ 90 ሺሕ ሰባት በቲ ግጭት ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም ከም ዘለዉ ሰበስልጣን`ቲ ክልል ትግራይ ይግምቱ ይብል።

ናብቲ ከባቢ ዝተዋፈሩ ትካላት ሕቡራት ሃገራት ሕጽረት ቀረባት መግቢ ከምዘሎን ኣብቲ ከባቢ ዝፈሪ ጥራይ ከምዘሎን ንሱ ብክባር ከምዝሽየጥን ይገልጹ። ኣስዒቦም ሆስፒታላት:ኣብያተ ጽሕፈት ዝረከቦም ብዙሓት ህንጻታት ስለዝተዘምቱን ዝዓነዉን ትሕተ-ቅርጽታት`ውን ናብ ቦትኦም ክምለሱ ይግባእ ይብሉ ።

ነዚ ሓበሬታ ትማሊ ኣብ ኒው ዮርክ ንጋዜጠኛታት ዝሓበረ ወሃቢ-ቓል ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣብ መወዳእታ ዘርብኡ፡ ብጾትና ናብ ኩሉ ከባብታት ክልል ትግራይ ኣትዮም ሰብኣዊ ሓገዝ ከቕርቡ፡ ዘይተደረተ መንገዲ ክኽፈተሎም ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጽምዶና ቀጺልና ኣለና ኢሉ።

ምስ መንግስቲ እናተወሃሃደ ዝሰርሕ ክልተ ተልኮታት ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ዝሓለፈ ታሕሳስ 20 ኣብቲ ቦታ ምእታዉ ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG