ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕ/ሃገራት፡ ካብታ ነዳዲ ጽዒና ኣብ ባሕሪ የመን ዘላ መርከብ ነዳዲ እትጸርግ መርከብ ዓዲጉ


ፋይል
ፋይል

ሕቡራት ሃገራት፡ ካብታ ነዳዲ ጽዒና ኣብ ባሕሪ የመን ዘላ መርከብ፡ ነቲ ነዳዲ እትጸርግ መርከብ ዓዲጉ። ካብታ ተሰይራ ዘላ መርከብ ዝልሑኽ ነዳዲ ኣብ ማያት ባሕርን ተፈጥሮ ከባብን ብከላ ከየስዕብ ዓለማዊ ስግኣት ኮይኑ ጸኒሑ`ዩ።

ሕቡራት ሃገራት መርከብ ገዚኡ ዝተበላሸወ ነዳዲ ክጸርግ ዘይተለምደ ስጉምቲ`ዩ።ፕሮግራም ልምዓት ሕቡራት ሃገራት(UNDP) ነቲ ኣብ ባሕሪ የመን ንዳርጋ 10 ዓመታት ሰልፈላል ኮይኑ ዘሎ ነዳዲ ንምጽራግ ካብ ኢሮናቭ ዝተባህለ መራኽብ ዝሰርሕ ካምፓኒ መርከብ ዓዲጉ`ሎ።

FSO Safer ዝተባህለት ነዳዲ ዝጸዓነት መርከብ ኣብ ከባቢ ቀይሕ ባሕሪ ካብ ደው ካብ ትብል ዳርጋ 10 ዓመት ኮይኑ። ብእኡ መጠን ድማ እቲ ጽዒናቶ ዘላ ነዳዲ ናብ ባሕሪ ፈሲሱ ብከላ ከየስዕብ ዓቢይ ስግኣት ኮይኑ ጸኒሑ`ሎ።

እታ 47 ዓመት ዝዕድሚኣ መርከብ፡ ኲናት ሕድሕድ የመን ድሕሪ ምውልዑ፡ ካብ 2015 ጀሚሩ ንምዕራያ ደሃያ ዝገበረ የለን። ኣብ ከባቢ ወደብ ሖደይዳ ጠጠው ምስ በለት`ያ።

ሓላፊ ፕሮግራም ልምዓት ሕቡራት ሃገራት ኣኪም ስተይነር፡ ምዕዳግ ጸራጊት መርከብ ዓቢይ ስጉምቲ`ዩ ኢልዎ። ምኽንያቱ እቲ ካብታ ዝተሰብረት መርከብ ዝልሑኽ ነዳዲ ሰፊሕ ዝኾነ ተፈጥሮኣውን ሰብኣውን ሓደጋታት ከስዕብ ምኽኣለ ይብል።

ሕጂ እታ ነቲ ነዳዲ ንክትጸርግ ዝተዓደገት መርከብ፡ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ግንቦት ናብቲ ቦታ ከም ትንቀሳቐስን ነቲ ነዳዲ ናይ ምስግጋር መስርሕ ከም ዝጅመርን`ውን ስተይነር ኣፍሊጡ`ሎ።

ሰበ-ስልጣን ሕቡራት ሃገራት እታ መርከብ ሒዛቶ ዘላ ነዳዲ 1.1 ሚልየን በርሚል`ዩ። እዚ ናብ ባሕሪ እንተፈሲሱ ድማ ኣብ ባሕሪ ከቢድ ሳዕቤን ብምውራድ፡ ነቲ ንጽጉማት የመናውያን ዝግበር ረድኤት`ውን ከሰናኽሎ ይኽእል`ዩ ክብሉ ጸኒሖም`ዮም።

ብከላ ቀይሕ ባሕሪ ነቲ ኣብ መንጎ ኣፍሪቃን ዓረባዊ ዓለምን ዘሎ መስመር ባልኤል መንደብ ጽዑቕ መስመር መጉዓዝያ መራኽብ`ውን ኣሰናኺሉን ክሳብ ስዊዝ ካናል ዘሎ መስመር ዓጽዩን ኣብ ዓለማዊ ቁጠባ ከቢድ ጉድኣት ከስዕብ`ዩ ዝብል ስግኣት ኣሎ።

ሕቡራት ሃገራት ነቲ ነዳዲ እትጸርግ መርከብ ብረድኤት ወይ ብክራይ ንምርካብ ንዓመታት ፍታሕ ከናዲ ከምዝጸንሐ ይግለጽ። ድሕሪ ኲናት ዩክሬን ድማ ዋጋ መጎዓዝያ መራኽብ እናኸበረ ከይዱ።

ደቪድ ግሪስሊ ኣወሃሃዲ ሰብኣዊ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ኣብ የመን፡ ካብ ዓደን ብቪድዮ ክገልጽ ከሎ“ኣብ መወዳእትኡ ግን ምርጫ ስለዘይነበረና መርከብ ክንዕድግ ወሲና” ይብል።

እቲ ናይ ምጽራግ ስራሕ 129 ሚልየን ዶላር ከምዝውድእ`ዩ ዝግመት። እንተኾነ ኩሉ ገንዘብ ሰለዘይኣተወ፡ ዝተረፈ ገንዘብ ኣታዊ እንተዘኮይኑ፡ እቲ መስርሕ ክቋረጽ`ውን ከም ዝኽእል፡ ሓላፊ ሓላፊ ፕሮግራም ልምዓት ሕቡራት ሃገራ ኣኪም ስተይነር የጠንቅቕ።

ካልእ ዝለዓል ሕቶ ድማ፡ እቲ ዝጽረግ ነዳዲ ናበይ`ዩ ክኸይድ ዝብል`ዩ። ሕቡራት ሃገራት ገና ብሕጂ ዝፈልጦ ጉዳይ`ዩ። ስተይነር ንባዕሉ፡ እዚ ሓደገኛ ስራሕ`ዩ፡ ናብ ጌጋ ኣንፈት`ውን ክመርሓና ይኽእል`ዩ ክብል ስኽፍትኡ ይገልጽ።

“ሓደጋታት ንምክልኻል ኩሉ ንኣምነሉ ንገራት ንገብር ኣለና፡ ግን ኣብ ውሽጢ ሓደገኛ ኩነታት ንሰርሕ ከምዘለና ክፍለጥ ይግባእ” ይብል።

የመን ካብ 2014 ጀሚራ ብኲናት ምስ ተሓመሰት`ያ። ኣብ ዓለም ካብ መንጎ ዝሓሰመ ሰብኣዊ ቅልውላው ዘለዋ ሃገር ተባሂላ ድማ ትግለጽ። ብኢራን ዝድገፉ ዕጡቓት ሑቲ ኣንጻር`ቲ ዓለማዊ ኣፍልጦ ዘለዎን ብስዑድያ ዝድገፍን መንግስቲ የመን ዘካይድዎ ኲናት ኣይዓረፈን።

XS
SM
MD
LG