ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕ/ሃገራት ኣብ ግጭት የመን 10,000 ህፃናት ተቐቲሎምን ኣካሎም ጎዲሉን ኢሉ


ብመሰረት ፀብፃብ ናይ ሕቡራት መንግስታት ወኪል ህፃናት UNICEF ኣብ የመን ኣብ 2015 ኣ\ፈ ኣብ መንጎ ብስዑዲ ዓረብ ዝድገፍ መንግስትን ብኢራን ዝድገፉ ኣባያት ሑቲን ግጭት ካብ ዝልዓል 10,000ዓ ቆልዑት ተቐቲሎም ወይ ኣካሎም ጎዲሉ።

ትካል ህጻናት ሕ/ሃ ነዚ ‘’ዘሕፍር ምዕራፍ’’ክብል ፀዊዑዎ ኣሎ። እቲ ኵናት ካብ ዝጅመር ብሰንኪ ውግእ በብዕለቱ ኣርባዕተ ቆልዑ ይሞቱ ወይ ይቖስሉ ኣለው ይብል።10,000 ሞትን መቑሰልትን ብዙሕ እዩ ዝበለ እቲ ትካል እቲ ኣሃዝ ካብኡ ዝበዝሕ እዩ ኢሉ።

ወሃቢ ቃል ትካል ህጻናት ሕ/ሃ ጄሚስ ኤልደር ኣብዚ ተጠቒሶም ዘለው ብሕቡራት መንግስታት ዝተረጋገፁ ጥራሕ እዮም ኢሎም። ካልኦት ብዙሓት ዘይተመዝገቡ ዝሞቱን ዝቖሰሉን ቆልዑ ኣለው ኢሎም።

ካልኦት ብዙሓት ቆልዑ ድማ በቲ ኵናት ከይኮነስ ብተዘዋዋሪ ወይ ምክልኻል ብዝክልኣል ምኽኒያት ከም ኮሌራ ብዝኣመሰሉ ሕማማትን ሕፅረት ኣመጋግባን ጥምየትን እውን ይሞቱ ኣለው ኢሎም።

ኣብ የመን በብዓሰርተ ደቓይቕ ምክልኻል ብዝክኣል ነገር ሓደ ቆልዓ ይመውት ኣሎ ዝበሉ ንሶም እዚ ብዘሕዝን ኩነታት ኣብቶም ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኣይተለወጠን ኢሎም።’’የመን ኣብ ዓለም ንቆልዑ ኣዚያ ሓደገኛ ሃገር እያ።ብዘሕዝን ኣገባብ እናገደደ ይኸይድ ኣሎ’’ ኢሎም።

ኣብ ቀረባ ካብ ናይ የመን ተልእኾ ዝተመለሱ ኤልደር ቆልዑ ንብዙሕ ሓደጋታት ተቓሊዖም ኣለው ኢሎም።ካብ ሓሙሽተ ቆልዑ እቶም ኣርባዕተ ወይም ልዕሊ 11 ሚሊዮን ቆልዑ ሰብኣዊ ሓገዝ የድልዮም።400,000 ቆልዑ ብሕፅረት ኣመጋግባ ይሳቐዩ ኣለው ካልኦት ሚሊዮናት ፅሩይ ዝስተ ማይ ኣይረኽቡን ዘለው ኢሎም።ልዕሊ ክልተ ሚሊዮን ቆልዑ ካብ ትምህርቲ ወፃኢ ምዃኖም እውን ወሲኾም ሓቢሮም።

እቶም ወሃቢ ቃል ቁጠባ የመን ይወድቕ ስለዘሎ ሰባት ንምንባር ይቃለሱ ኣለው ኢሎም።

‘’ኣብዚ ኩነታት ሰባት መማራፂ የብሉን።መጋየፂ ናውቶም እናሸጡ እዮም።ናይ መብሰሊ ኣቑሕቶም ይሸጡ ኣለው።ነዚ ዝገብሩ ዘለው ንደቆም ንምቕላብ እዩ’’ ምስበሉ እቲ ቀንዲነገር ኣብ የመን ብሰንኪ ዓበይቲ ሰባት ይቕፅሉዎ ዘለው ኵናት ህፃውንቲ ይጠምዩ ምህላዎ እዩ፤ኣብዚ ዝዓበየ ኪሳራ ዝረኽቡ ዘለው ህፃውንቲ እዮም ኢሎም።

ትካል ህጻናት ሕ/ሃኣብ የመን ክሳብ መፋርቕ 2022 ኣ\ፈ ስራሕቲ ምድሓን ህይወት ንምክቅፅል ልዕሊ 235 ሚሊዮን ዶላር ብህፁፅ የድሊ እዩ ኢሉ።ተዘይኮይኑ ንሓደጋ ዝተቓልዑ የቕርቦ ዝነበረ ኣገዳሲ ሓገዝ ንምቕናስ ወይ መሊኡ ጠጠው ንምባል ክግደድ እየ ክብል ኣጠንቂቑ።

ትካል ህጻናት ሕ/ሃ ካልኦት ኣድሕን ህይወት ስጉምትታት እውን ክትንከፉ እዮም ኢሉ ኣሎ።እቲ ገንዘብ እንተድኣ ተፀንቂቑ ካብ ዘስካሕክሕ ኵናት ዘምለጡ ፅሩይ ዝስተ ማይ፣ፕሮግራማት ክታበት ኮቪድ-19፣ኣሰቃቒ ናይ ስነ ኣእምሮ በሰላ ንዘለዎም ሰባት ንምሕጋዝ ካልኦት ኣገዳሲ ረድኤት ኣይረኽቡን ማለት እዩ ኢሉ ኣሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::


XS
SM
MD
LG