ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕ/ሃገራት ኣብ ትግራይ ሓደጋታት ጥዕና የንጸላለው ከምዘሎ የጠንቅቕ


ትካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ትግራይ ከጓንፍ ንዝኽእል ለበዳ ሸሮኽ (ኮሌራ)፡ ምልባዕ ሕማማት ዓሶን ንፍዮን ኣጠንቂቐን።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ድሕሪ ሸሞንተ ኣዋርሕ፡ በይንኣዊ ስጕምቲ ምቍራጽ ተጻብኦታት ደኣ ይኣውጅ እምበር ኣብ ባይታ ዘሎ ጸገማት’ሲ ብዙሕ’ዩ። ወኪል ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ትግራይ፡ ንመሳለጢ ቤት ጽሕፈት ዝኸውን መስመራት ቴለፎን ይዅን ሓይሊ ኤለትሪክ የብሉን። ስለዚ እምበኣር፡ ነቲ ዝድለ ሓገዝ ኣብ እዋኑ ከብጽሑ ኣይክእሉን ዘለዉ።

ትካል ድሕነት ህጻናት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (ዩኒሴፍ) እውን፡ ወተሃደራት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኣብ ትግራይ ዝርከብ ቤት ጽሕፈቱ ኣዕንዮም መሳርሒታት ከም ዝዘመቱ ገሊጹ ነይሩ። ብሰንኩ ድማ ኣስታት 140 ሽሕ ዝበጽሑ ህጻናት ትግራይ ንዝኸፍአ ቅልውላው ዓጸቦ ተቓሊዖም ኣለዉ።

ማዕከን መግቢ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ፡ ናብ ትግራይ ቅልጡፍ ናይ ህይወት ኣድሕን ሓገዝ ከባጽሕ ደጋጊሙ ክሓትት ጸኒሑ’ዩ። ካብ መንጎ’ቶም ህጹጽ ሓገዝ ዝጽበዩ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ዜጋታት፡ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ህጻናት’ዮም።

ልዕሊ ኵሉ ስፍክትኡ ዝገልፅ ዘሎ ቤት ጽሕፈት ግን ዓለማዊ ውድብ ጥዕና’ዮ። ትካላትን መዋቕርን ጥዕና ትግራይ ፈጺሙ ስለ ዝዓነወን መስመራት ስለ ዝተዓጽወን ኣብ እዋን ሓደጋ ሓገዝ ንምብጻሕ ከም ዘይክኣል እቲ ትካል የመልክት ኣሎ።

ወሃብ ቃል ውድብ ጥዕና ዓለም ዝኾኑ ታሪቅ ጀሰራቪክ “ቀንዲ ስክፍታና ከጓንፍ ንዝኽእል ለበዳ ሸሮኽ፡ ንፍዮን ዓሶን’ዩ። ክልል ትግራይ፡ ኣብ ቅናት ማናንጃይትን የሎው ፊቨርን ዝርከብሉ ስፍራ ስለ ዘላ ከኣ ካልእ ስክፍታ’ዩ። ህዝቢ ግን ብዓቢኡ ነቲ መሰረታዊ ቀረባት ጥዕና’ውን ክረክብ ስለ ዝጽገም ዘሎ ንሓደጋ ሞት ቅሉዕ’ዩ ዘሎ” ኢሎም።

ድሕሪ ምእዋጅ በይንኣዊ ምቍራጽ ተጻብኦታት፡ ኲናት ይቕጽል’ሎ ዝበሉ’ቶም ወሃቢ ቃል: ትካል ውድብ ጥዕና ዓለም ዓቕሚን ድሕነትን ኣባላቱ ንምሕያል ይሰርሕ ከም ዘሎ ገሊጾም። እቲ ትካል ዝከኣሎ ክገብር ደኣ ቅርቡነቱ የርጋግጽ እምበር፡መጠን’ቲ ዘንጸላሉ ዘሎ ሓደጋ ግን ልዕሊ ዓቕሚ ውድብ ጥዕና ዓለም ምዃኑ'ውን ጠቒሶም።

“ሆስፒታላት በቲ ዝነኣሰን ዓቕመን እኳ ኣብ ዘይሰርሓሉ ግዜ፡ ህዝቢ ካብ መነባብርኡ ተመዛቢሉ ፡ ጥሜት ድማ ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን፡ ብቐረባ ምክልኻሎም ዝከኣሉ ዝነበሩ ተመሓለልፍቲ ሕማምት እኳ ንምውጋዶም ኣጸጋሚ’ዩ። ሕጽረት መሰረታዊ ቀረባት፡ ስእነት ዝስተ ጽሩይ ማይ፡ ዋሕዲ መዕቆቢ ንርኢ ኣሎና። እዚኣቶም ድማ ንለበዳ ዘኽእሉ ባእታት’ዮም” ኢሎም።

ውድብ ጥዕና ዓለም ኣስታት 3.5 ሚልዮን ዜጋትት ሓደጋትት ሕማም ሸሮኽ የንጸላልዎም ከም ዘሎ ይጠቅስ። እቲ ትካል ብቐንዱ እኳ ብዓጸቦ ዝተጠቕዑ ህጻናት ዝርከቡዎም ኣስታት 6 ሚልዮን ዜጋትት ድማ ንለበዳ ዓሶ ቅሉዓት ኣለዉ ይብል ።

ብኣፍ ዝወሰድ፡ ክታበት ኣንጻር ሸሮኽ፡ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ሰነ ደኣ ይጀምር እምበር፡ ኣስታት ፍርቂ ናይቲ ክበጽሖ ዝሓለኖ ብዝሒ ጥራይ’ዩ በጺሑ። ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት እቲ ናይ ክታበት መደባቱ ከም ዝተዓናቐፈ ድማ ውድብ ጥዕና ዓለም ሓቢሩ።

ኣብ ትካላት ጥዕና ዝወርድ ዘሎ ዕንወት፡ ንማእከላት ጥዕና ዒላማ ዝገበረ ዝምታ፡ ምዕናው መዕቆቢ መድሃኒታት ገለ ካብቶም ነቲ ናይ ክታበት ስራሕ ዝዓናቑፉ ምንባሮም ድማ እቲ ኣህጉራዊ ትካል ዘርዚሩ።

XS
SM
MD
LG