ሕቡራት ሃገራትን ኣሜሪካን እቲ አብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ብቅልጡፍ ደው ክብልን እቶም ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ሰባት ተፈፂሞም ዝተባህሉ ጨፍጫፋት ዘፃሪ ዘይሻራዊ መርማሪ ንኽአቱ መገዲ ክመዓራረይ ፀዊዖም ።
ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልድ "ተወሰኽቲ ጨፍጫፋት ኣብ ልዕሊ ሰባት ንኸይበፅሑ ናይ ምኽልኻል ሓላፍነት ኣብ እንግድዓ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝወርድ ይኸውን ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ብቅልጡፍ ኲናት ደው ከብል ክተሓባበር ነተሓሳስብ ብተመሳሳሊ ሰራዊት ኤርትራን ሰራዊት ክልል ኣምሓራን ካብ ትግራይ ብቅልጡፍ ክወጹ ምግባር ኣዝዩ ኣገዳሲ ስጉምቲ ይኸውን" ኢለን ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ባይቶ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት ትማሊ ሓሙስ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላው ኣመልኪቱ ኣብ ዝጸወዖ ኣኼባ ብዘይገለ ስምምዕ ተዛዚሙ ክብል ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ንዲፕሎማት ብምጥቃስ ሓቢሩ።
ኣጃንስ ፍራን ፕረስ ብምሉእ ድምጺ ናይ ምስዓር መሰል ዘለወን ተለወጥቲ ኣባል ሃገራት ባይቶ ፀጥታ ሩስያን ቻይናን ድማ "ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ምእታው እዩ " ክብላ ነቲ መግለፂ ተቃዊመንኦ ኣለዋ ክብሉ እቶም ዲፕሎማት ወሲኾም ሓቢሮም ይብል ።