ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕጊ ምርጫ ኣመሪካ ንምቕያር ዝተገብረ ፈተነ ፈሺሉ


ነቲ ውዱቕ ዝኾነ ውሳነ ዝቓወሙ ኣብ ኣፍደገ ሰነት ኣመሪካ
ነቲ ውዱቕ ዝኾነ ውሳነ ዝቓወሙ ኣብ ኣፍደገ ሰነት ኣመሪካ

ብሰልፊ ደሞክራት ሕጊ ምርጫ ላዕለዋይ ባይቶ (ሰነት) ኣገባብ “ፊልባስተር” ንምቕያር ኣስታት ዓመት ዝወሰደ መስርሕ ትማሊ ረቡዕ ኣብ መተኸተምታኡ በጺሑ፣ እቲ ሓሳብ ውዱቕ ኰይኑ ኣሎ።

ኣብ ሰነት ንሰዓታት ድሕሪ ዝተኻየደ ክትዕ፡ እቲ ንድፊ ብክልተ ድምጺ ማለት 49 ን 51 ወዲቑ። ብመሰረት ሕጊ ላዕለዋይ ባይቶ፡ ቅድሚ ናብ ዝቕጽል መድረኽ ምቕጻሉን ነቲ ሕጊ ንምውዳቑን ናይ 60 ኣባላት ድምጺ ይሓትት። ሕጂ ግን ገና ንቐዳማይ መስርሕ’ውን ኣይሓለፈን።

እቶም ካብ ሰልፊ ደሞክራት ነቲ ንድፊ ዝተቓወሙ ጆ ማንቺንን ክይርስተን ሲነማን ኢዮም።

ፕረዚደንት ባይደን እቲ ንድፊ ኣብ ሰነት ምውዳቑ ኣዝዩ ከም ዘሕዘኖም ገሊጾም። ብኻልእ መገዲ ገይሮም ደሞክራሲ ዝዕቀበሉ ኣገባብ ካብ ምንዳይ ከም ዘይቍጠቡ ድማ ወሲኾም ሓቢሮም።

ተጣበቕቲ መሰል ምርጫ፡ ሓያሎ ብሪፓብሊካን ዝምርሓ ግዝኣታት ንጸለምቲን ውሑዳንን ዝዕንቅፍ ሕግታት ምርጫ የሕልፋ ብምህላወን ንፊልባስተር ምስራዝ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ይምጉቱ።

XS
SM
MD
LG