ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ሕድገት ዘይህብ ግዜ፤ ንምስግጋር ናብ ደሞክራያዊት ኤርትራን ርጉእ ቀርኒ-ኣፍሪቃን” ዝተሰምየ ዓውደ መጽናዕቲ ተኻዪዱ


ትካል መጽናዕቲ ኤርትራውያን ንፖሊሲን ስትራተጂን ዝተሰምየ ማሕበር ተመራመርቲን ሞያውያንን ኤርትራውያን ኣብ ስደት፡ ብቐዳም 14 ነሓሰ 2021 ኣብ ካቶሊክ ዩኒቨርስቲ፡ ዋሺንግተን ዲሲ ቀዳማይ ዋዕላኡ ኣቃኒዑ። ኣብቲ ኣብ ትሕቲ “Time is of the Essence: For Transition to Democratic Eritrea and Stable Horn of Africa.” (“ሕድገት ዘይህብ ግዜ፤ ንምስግጋር ናብ ደሞክራያዊት ኤርትራን ርጉእ ቀርኒ-ኣፍሪቃን”) ዝብል ቴማ ዝተኻየደ ናይ ሓደ መዓልቲ ጻንሖት፡ ንሽዱሽተ ኣርእስታት ኣመልኪቱ ተዛትዩ።

ኣብቲ ከባቢ ሰዓት 10፡00 ንግሆ ብዝክረ-ሰማእታት ተኸፊቱ፡ ብቛንቋ ትግራኛን ዓረብን ናይ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም ቃል ድሕሪ ምቕራቡ፡ እቲ ወረቓቕቲን ውጽኢት ዘተን ብእንግሊዘኛ’ዩ ቀጺሉ።

መኽፈቲ ቃል ዘስምዐ ፕረዚደንት እቲ ማሕበር ዶክተር ቶማስ ሰሎሞን፡ ንኣድላይነት ከምኡ ዝበል ሞያዊ ምትእኽኻብ ድሕሪ ምጥቃስ፡ ፈለማ ንዕላማታትን ሸቶታትን እቲ ማሕበር ዘርዚሩ።

ድሒሩ፡ ዶክተር ቶማስ ሰሎሞን ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ ሓጺር ቃለ-ምልልስ ንኣመሰራርታን ቀንዲ ዕላምታትን እቲ ማሕበር ኣመልኪቱ፡ እቲ ማሕበር ኣብ ፈለማ 2020 ኣቢሉ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንዝምዕብል ዝነበረ ኣሰካፊ ተርእዮ ጽሑፍ ብምውጻእ ከም ዝጀመረ ይገልጽ። ድሒሩ ግን እቲ ምጥርናፍ ዓብዩስ ሓያሎ ሞያውያን ክጠራንፍ ከም ዝበቕዐን ኣብ ኣፍልጦን መጽናዕቲን ዝተመርኰሰ ፍልጠት ዘካፍለሉ መገዲ ኣብ ከም ዝኣተወ ይገልጽ።

ኣብቲ ቀዳም ዝወዓለ ዓውደ-መጽናዕቲ፡ ናይ ክብሪ ዕዱም ኰይኖም ነቲ ኣጋጣሚ ዝኸፈቱ ፕሮፈሰር በረኸት ሃብተስላሴ፡ ቃሎም ብመንገዲ መበሃህሊ ርሑቕ (ማንዛ)’ዮም ሂቦም። ፕሮፈሰር በረኸት፡ እቲ ማሕበር ከተኵረሉ ዘለዎ 10 ነጥብታት ብምዝርዛር፡ ዝያዳ ግን ኣብቲ ወሰንቲ ዝብሉወን ሰለስተ ነጥብታት ጸቒጦም ተዛሪቦም። እቲ ማሕበር ንህሉዊ ምዕለታት ሃገርናን እቲ ዞባን ኣመልኪቱ ክዓዪ፣ ኣካል ምፍልላይ ዘይኰነስ በቲ ሞያዊ ዓቕምታቱ ዜጋታት ክሓቍፍን ከቀራርብን እቲ ሳልሳይ ድማ ክህሉ ምስ ዝኽእል ሃጓፋቱ እቲ ሓቛፊ ኩሉ ዜጋ ቅዋም ስለ ዝዀነ ኣብኡ ጸቒጡ ክሰርሕ ፕሮፈሰር በረኸት ኣዘኻኺሮም።

ድሕሪ ናይ ዶክተር ሳባ ተስፋሃንስ ምርቕቲ ዓውዲ ፖለቲካዊ ስነ-ፍልጠትን ኣፈታትሓ ግርጭታትን ንጸጋታትን ድኻማትን ድሕሪ ለውጢ ኤርትራ ኣብ ዝተኰረ ወረቐት፣ እቲ መደብ ናብ ምዕዳል ኣፍልጦን ብ”ጕጅለ-13” ተባሂሎም ዝጽውዑ ሞያውያንን ምሁራንን ኤርትራውያን’ዩ ሰጊሩ። እቶም ጉጅለ ኣብ 2000 ብ “ማኒፈስቶ በርሊን” ዝፍለጥ ደብዳበ ናብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝጸሓፉ’ዮም። ኣብቲ ኣጋጣሚ፡ ገና ቅድሚ ግዜኦም ዘጠንቀቑን ኤርትራ ከይትኸዶ እትፍራሕ መገዲ ዘመልከቱን ብምዃኖም ፍሉይ ክብሪ ዝግበርኦም ምዃኖም ኣዳለውቲ ኣመልኪቶም።

መንግስቲ ኤርትራ፡ (ብዛዕባኦም ብዝምልከት)፡ ሃገር ገና ብናይ ደገ ተጻብኦታት ኣብ ሓደጋ እንከላን ብናይ ደገ ድፍኢትን ንናይ ካልእ ኣጀንዳ ንምግልጋልን (ዝተበገሰ`ዩ) ብምባል’ዩ ዝገልጾ ነቲ ምትእኽኻብ።

ብምቕጻል፡ ኣከታቲሉ ንተራ፡ ሓላፍነትን ተመራመርቲን ሞያውያንን ኤርትራ ንውሕስቲን ሰላማዊትን ኤርትራን ቀርኒ ኣፍሪቃን ዝብል ወረቓቕቲን መዛተዪ ዛዕባታትን ብፕሮፈሰር ኣርኣያ ደበሳይ፡ ኣቶ ኑረዲን ዓብደልቃድርን ፕሮፈሰር ኪዳነ መንግስትኣብን ቀሪቡ።

ድሕሪ ነፍሲ-ወከፍ ወረቐት ተሳተፍቲ ኣብ ጉጅለ ተኸፋፊሎም ክዛተዩን ውጽኢት ክትዖም ከካፉን መድረኽ ተኸፊቱ ነይሩ።

ናይ መጨረሽታ መደብ እቲ ዓውደ-መጽናዕቲ ብዶክተር ኣስቴር ኣለምሰገድ፡ንሓደገኝነት ለበዳ ኮቪድ-19፡ ብሕልፊ ድማ ምስ ኤርትራ ኣተሓሒዙ ዝቐረበ’ዩ ነይሩ።

ሓያሎ ካብቲ ዝቐረበ ወረቓቕቲን ዘተን ሞያዊን ኣካዳሚያዊን ትሕዝቶ ዘለዎ ደኣ ይዅን እምበር፡ ፖለቲካዊ መርገጺ እቲ ማሕበር’ውን ዘመልክት’ዩ ነይሩ። ትካል መጽናዕቲ ኤርትራውያን ንፖሊሲን ስትራተጂን ፖለቲካዊ ጸግዒ ዘለዎ ማሕበር ድዩ ንዝብል ሕቶ፡ ዶክተር ቶማስ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ምስ ዘሎ ኩነታት ንዝዀነ ነገር ካብ ፖለቲካ ነጺልካ ክትርእዮ ከም ዝኸብድን ዋላ’ኳ ሞያዊ ማሕበር ክኸውን ጥራይ እንተ ደለዩ ክጽለዉ ግድን ምዃኑን የብርህ።

ትካል መጽናዕቲ ኤርትራውያን ንፖሊሲን ስትራተጂ ኣብ ዓሰርተ ንኡሳን ጨናፍር ኣተኲሩ’ዩ ዝሰርሕ(ከም ዝሰርሕ ይገልጽ)። ንሳተን ድማ ንሕርሻ ባህሪያዊ ሃብቲን፣ ባህሊን ስነ-ጥበብን፣ ቁጠባን ፋይናንስን፣ ትምህርቲን ስልጠናን፣ ሓይሊ ዕማም ንህጹጽ ሓደጋ፣ ጥዕናን ማህበራዊ ኣገልግሎትን፣ ሕጊን ጸጥታን፣ መራኸቢ ብዙሃን፣ ምሕደራ፣ ከምኡ’ውን ሳይንስን ቴክኖሎጂን የጠቓልላ።

ኣባል ቦርድ ማሕበርን ኣካል ንኡስ-ጨንፈር ሳይንሳን ቴክኖሎጁን ዝዀነት ዶክተር ኤደን ተስፉ፡ ምርቕቲ ስነ-ቀመም ካብ ዩኒቨርስቲ ኣስመራን ዳሕራይ ናይ ዶክተረይት ትምህርቲ ድማ ኣብ ዋሺንግተን ዩኒቨርስቲ ናይ ሰንት-ልዊስ፡ ብዛዕባ’ቲ ኣተኲሮም ዝሰርሑሉ ዓውዲን ተራ ደቀንስትዮን ኣብቲ ማሕበር ንድምጺ ኣመሪካ ቃላ ሂባ ነይራ። ኣተኵሮ እቲ ኣብ ሳይንስ፡ ቴክኖሎጂን ቍጽሪን ኣመልኪቱ ዝሰርሕ ንኡስ-ጭንፈር በብእዋኑ ንዝህሉ ጠለብ ክምልስ ዝሕልን ምዃኑ ትጠቅስ። ተሳትፎ ደቀንስትዮ ወትሩ ትሕቲ’ቲ ዝድለ መጠን ደኣ ይዅን እምበር፡ ብሕልፊ እኳ ኣብ መሪሕነት እቲ ማሕበር ግን እኹል ውክልና ከም ዘሎ ትሕብር።

ንጽማቝ ውጽኢት ክትዕን ለበዋታትን ብምቕራብ ዝተዛዘመ ናይቲ ዕለት ምትእኽኻብ፡ ንተሳተፍቲ ኣብ እዋን ድራርን ሙዚቃን ዝያዳ ክላለዩን ክለዋወጡን ዕድል ብምሃብ ተዛዚሙ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::


XS
SM
MD
LG