ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕብረት ኤውሮጳ ንመጥቃዕቲ ህጻናት ኣብ ክልል ትግራይ ዝምልከት ውሳነ የሕሊፉ


ሕብረት ኤውሮጳ ውሳነ ቍጽሪ 2022/2858(RSP) ዝሰመዮ፡ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ልዕሊ ህጻናት፡ ብሕልፊ ኣብ ክልል ትግራይ ዝወርድ ዘሎ ሰፊሕ ሰብኣዊ መግሃስታት ብትሪ ዝኹንን ውሳነ የሕሊፉ። ኤውሮጳዊ ሕብረት ነቲ ብጸጋማዊ ሰልፊ ዝቐረበ ንድፊ ትማሊ’ዩ የሕሊፉዎ።

ፓርላማ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብቲ ዘሕለፎ ውሳነ፡ ፈለማ ኢትዮጵያ ዝፈረመቶ ዓለምለኻዊ ውዕላት ብምዝርዛር፡ እንተዀነ ምስ ኲናት ትግራይ ተኣሳሲሩ ዝመጸ ሰፋሕቲ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት ኣቐሚጡ። መግለጺ እቲ ሕብረት ከም ዝጠቕሶ፡ ቅድሚ ሕጂ ብዝተፈላለየ ዞባውያንን ዓለማውያንን ውድባት፡ ንምቍራጽ ተጻብኦታት ዝምልከት በበይኑ ምሕጽንታን መተባብዒን እኳ እንተ ቐረበ፡ ዛጊት ግን መዕለቢ ዘይምርካቡ ኣመና ኣተሓሳሳቢ ምዃኑ ኣስሚሩ።

ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣብ መግለጺኡ፡ እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ብኹላቶም ኣካላት--ማለት መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሰራዊት ኤርትራ፡ ሚሊሻ ክልል ኣምሓራን ሰራዊት ትግራይን ጥሕሰታት ምፍጻሙ ይሕብር። ወሲኹ ድማ ነቲ ብኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራትን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ዝቐረበ ዳህሳስ መጽናዕቲ ዘለዎ ድጋፍ ይገልጽ። እንተዀነ ይብል እቲ ጽሑፍ፡ እቲ ኣሕዛኒ ወገኑ እቲ ኲናት ንሰለማዊ ህዝቢ ኣብ ምምዝባልን ምቕታልን ምቕጻሉ ኣተሓሳሳቢ ምዃኑ ሓቢሩ።

መግለጺ ሕብረት ኤውሮጳ ብፍሉይ ዝጠቐሶን ዓንዲ ማእከል ናይቲ ውሳነ ዝገበሮን ግን ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ልዕሊ ህጻናት ዝወርድ ዘሎ መቕዘፍቲን ምክልባትን’ዩ። ከም ሓበሬታ እቲ ውሳነ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ብሰንኪ ዘሎ ዕጽዋን ምጕንዳብ መሰረታዊ ኣገልግሎታትን እቶም ቀንዲ ግዳያት ኰይኖም ዘለዉ ህጻናት’ዮም። ብሰንኩ ድማ ብስእነት ክታበት፡ መድሃኒታት፡ ደብዳብ ነፈርቲ ንሞትን ሓደርቲ ሕማማትን ይሳጥሑ ምህላዎም ይሕብር።

ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ መወዳእታ ነቲ ብበይኖም ሓይልታት ዝፍጸም ዘሎ ግፍዒ ብትሪ ብምዅናን ዕለታዊ ምቍራጽ ተጻብኦታት ክግበር፣ በበይኖም ኣካላት እቲ ጎንጺ ንዝፈረሙዎ ስምምዓት ከተግብሩ፣ ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረት ብሰንኪ’ቲ ኲናት ንዝተጠቕዑ ወገናት ዝሕግዙሉ መገድታት ክዓቢን ኣዘኻኺሩ። እቲ ሕብረት ድማ ህጹጽ ምምላስ መሰረታዊ ኣገልግሎት ናብ ክልል ትግራይን በቲ ኲናት ዝተጠቕዑ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ክግበር ጸዊዑ።

መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ሕብረት ኤውሮጳ ዘሕለፎ ውሳነ ብዝምልከት፡ ፓርላማ ኤውሮጳ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ መሰረት ዘይብሉ ክሲ ብምቕራብ መረትዖ ዘይብሉ ክሲ ክሸይጥ ይፍትን ኣሎ ክብል ነቲ ውሳነ ሕብረት ኤውሮጳ ነጺጉዎ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG