ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕብረት ኤርትራውያን ንምምካት ለበዳ ኮረና ቫይረስ" ኣብ ክልል ትግራይ ንዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ሓገዝ ሂቦም


"ሕብረት ኤርትራውያን ንምምካት ለበዳ ኮረና ቫይረስ" ካብ መላእ ዓለም ዘተኣኽኸብዎ ልዕሊ 2.7 ሚልዮን ኣብ ክልል ትግራይ መዓስከር ስደተኛታት ንዝርከቡ ኤርትራውያን ሓገዝ ሂቦም:: እቲ ሓገዝ መግብን ናውቲ ፅርየትን ኮይኑ ሕዱር ሕማም ንዘለዎምን ዓቕሚ ዘይብሎም ስደተኛታትን ዝወሃብ እዩ::

ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሕፃፅ ዝነብር ኣይተ ኣስመላሽ ግርማይ ኣብ ዓንዲ ሕቑኡ ፀገም ጥዕና ከምዘለዎ ይዛረብ:: ኣብዚ ሐዚ እዋን ብዘሎ ቫይረስ ኮሮና ዝተፍላለዩ ትካላት ኣብ ዝተዓፀውሉ እዋን ኣብ ፀገም ንርከብ ይብል::

"ሕብረት ኤርትራውያን ንምምካት ለበዳ ኮረና ቫይረስ" ገንዘብ ኣተኣኻኺቦም ዝገበርዎ ሓገዝ ነቲ ፀገም ኣብ ምቅላል ልዑል ግደ ኣለዎ ክብል ተዛሪቡ "በዚ ድማ ቐፃሊ ተስፋ ክህለወና ዝገብር እዩ" ኢሉ ኣይተ ሙሉጌታ የማነ ዝተብሃለ ካሊእ ነባሪ መዓስከር ስደተኛያት ሕፃፅ ብወገኑ: ብምኽንያት ቫይረስ ኮረና ኣብ መዓስከር ዝነብሩ ስደተኛታት ዘለዎም ፀገም ንምፍታሕ ኣብ ወፃኢ ብዝነብሩ ኤርትራውያን ዝግበር ዘሎ ምንቅስቓስ ዝምስገን እዩ ኢሉ::

ኣብ ኣርባዕተ መዓስከር ስደተኛታት ይካየድ ንዘሎ ሓገዝ የተሓባብር ዘሎ ኣይተ ተስፍኦም ገብረመድህን:: እቲ ሓገዝ ምግቢን ናውቲ ፅርየትን ኮይኑ ኣብ መዓስከራት ሕፃፅ: ሽመልባ: ዓዲሓርሽን ማይ ዓይንንን ዝርከቡ ልዕሊ 2160 ጉድኣት ኣካል ሕዱርሕማም ንዘለዎም ስደተኛታት ምኻኑ ተዛሪቡ::

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::


XS
SM
MD
LG