ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕብረት ኣፍሪቃ ፕረ.ፑቲን ኣብ ዩክሬን ምቁራጽ ተጻብኦ ክገብሩ ጸዊዑ


ኣቦ መንበር ሕብረት አፍሪቃን ፕረዚደንት ሴነጋልን ማክይ ሳል -ፋይል
ኣቦ መንበር ሕብረት አፍሪቃን ፕረዚደንት ሴነጋልን ማክይ ሳል -ፋይል

ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑትን፣ ኣብ ዩክሬን ነባሪ ምቁራጽ ተጻብኦ ዝትግበረሉ መስርሕ ንክኽተሉ ኣቦ መንበር ሕብረት አፍሪቃን ፕረዚደንት ሴነጋልን ማክይ ሳል ሓቲቶም።

ኣብ ኣኼባ ሕቡራት ሃገራት ንሩስያ ዝኹንን ውሳነ ኣብ ዝሓለፈሉ እዋን፣ ሴነጋል ድምጸ ተዓቅቦ ድሕሪ ምምራጻ ፕረዚደንት ሳል ፕረዚደንት ሳል ፑትን ምዝርራቦም'ውን ተሓቢሩ'ሎ።

ኣብ’ቲ ናይ ዝሓለፈ ቅነ መስርሕ ድምጺ ኣብ ሕቡራት ሃገራት፣ ሴነጋልን ካልኦት 15 ሃገራትን ኣፍሪቃ ድምጸ ተዓቅቦ ከምዝመረጻ ዝዝከር እዩ።

ሴነጋል ምስ ኩባንያ ነዳዲ ሩስያ ኣስታት 300 ሚልዮን ዶላር ዝዋግኡ ኮንትራት ከምዝተፈራረመት ዝጠቀሰ እቲ ዜና፣ ሩስያ ዋና ኣቀባሊት ኣጽዋር ውግእ ከምዝኾነት፣ ኣብዘን ዝሓለፋ ሽዱሽተ ዓመታት ጥራሕ ምስ ልዕሊ 20 ሃገራት ኣፍሪቃ ዕዳጋ ኣጽዋር ከምዝተፈራረመት ሓቢሩ።

XS
SM
MD
LG