ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕብረት ኣፍሪቃ ጉጅለ ተዓዘብቲ ምርጫ ናብ ኢትዮጵያ ከምዝልእኽ ኣፍሊጡ


ፋይል

ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ናይ ሓጺርን ነዊሕን ጉጅለ ተዓዛቢ ኣብ ምርጫ ኢትዮጵያ ከምዘዋፍር ኣቦ መንበር ኮምሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቂ መሓመት ኣፍሊጦም።

ካብ ኣባል ሃገራት ዝተዋጽኡ ሸሞንተ ተዓዘብቲ ኣብ አዲስ አበባ ከምዝኣተውን ንኩነተ ፖለቲካዊ ሃዋሁ፣ ሕጋዊ ቅርጺ ምርጫ ፣ ምቅርራብ ውጽኢታዊን ግልጺን ምርጫ ፣ ምሕደራን ሃዋሁ ወፍሪ ምርጫ ፣ ነጻነት ሚድያ፣ ኣብ ሙሉእ መስርሕ ዝህሉ መሰል ተሳትፎን ከምዝግምግም እቲ ዜና ይሕብር።

እቲ ጉጅለ ተዓዘብቲ ንዝተፈላለዩ ከባቢታት ከምዝሽፍን፣ ድሒሮም ካልኦት ኣባላት ተዓዘብቲ ከምዝሕወስዎም ሕብረት ኣፍሪቃ ገሊጹ ኣሎ።

ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG