ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕብረት ኣፍሪቃ ዘተ-ሰላም መንግስቲ ኢትዮጵያንን መሪሕነት ህወሓትን ን24 ጥቅምቲ ኣሚሙ


ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ኣዲስ ኣበባ
ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ኣዲስ ኣበባ

ኣማኻሪ ጉዳያት ጸጥታ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣምበሳድር ሬድዋን ሑሴን ብመገዲ ትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ነቲ ኣቐዲሙ ዝተቛረጸ ዘተ ሰላም መንግስቲ ኢትዮጵያን መሪሕነት ክልል ትግራይን ን24 ጥቅምቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክኸውን ምውሳኑ ሓቢሩ።

ኣምባሳድር ሬድዋን ኣብቲ ብመገዲ ትዊተር ዝዘርግሖ መልእኽቲ፡ መንግስቱ ነቲ ተወጢኑ ዘሎ ዕለትን ኣሳላጥነትን ከም ዝቕበሎ ኣመልኪቱ ኣሎ። እቲ ኣማኻሪ ጸጥታ ወሲኹ፡ ገለ ወገናት ነቲ ተመዲቡ ዘሎ ዘተ ሰላም ንምፍሻል ዝገብሩዎ ዘለዉ ሃቐነ ኣዝዩ ዘሻቕል’ዩ ኢሉ። ከም ኣገላልጻ ኣምባሳድር ሬድዋን፡ እቶም ስሞም ከይረቝሐ ዝተዛረበሎም ወገናት፡ ብዛዕባ መንግስቲ ዝወስዶ ዘሎ ናይ ምክልኻል ስጕምታት ጌጋ ሓበሬታ ይዝርግሑ ምህላዎም’ዩ።

መሪሕነት ህወሓት ብዛዕባ’ዚ ተወጢኑ ዘሎ ዘተ-ሰላም ዛጊት ዝሃቡዎ ምላሽ ኣይተፈልጠን። ኣገልግሎት ዜና ኣሶሽትድ ፕረስን ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳን ዝያዳ ሓበሬታ ካብ ወሃቢ ቃል ሕብረት ኣፍሪቃ ኢባ ካሎንዶን ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣይተ ጌታቸው ረዳን መልሲ ንምርካብ ከም ዘይሰለጦም ኣመልኪቶም ኣለዉ።

ኣቐዲሙ ን8 ጥቅምቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብመሪሕነት ፕረዚደንት ነበር ኦሊሰጎን ኦብሳንጆ፡ ከምኡ’ውን ኡሁሩ ኬንያታን ናይ ቅድም ምኽትል ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ፉምዚለ ላምቦ ንጉካ ክሳለጥ ተመዲቡ ዝነበረ ዘተ-ሰላም ኣብ ውዱእ ግዜ ብሰንኪ ጸገም መሳለጥያታት ምቍራጹ ይዝከር። ኣብዚ ናይ ሕጂ ዕድመ ነቲ ዘተ-ሰላም ዝመርሑ መነ-መን ምዃኖም ዛጊት ኣይተፈልጠን። ንመሳለጥያታት እቲ ርክብ ሓላፍነት ዝወስድ ኣካል’ውን ብተመሳሳሊ ኣይተሓበረን።

ሕብረት ኣፍሪቃ ነዚ ዝተሓደሰ ዕድመ ዘተ-ሰላም ዘቕርብ ዘሎ፡ ምስ ቀጻልነት ኲናት፡ ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው መሊሱ ከይጋደድ በበይኖም ኣካላት ስምዕተኦም ኣብ ዘቕርቡሉ ዘለዉ እዋን’ዩ። እቲ ናይ ኲናት ዞባ፡ ኣቐዲሙ ብዝተኣጓጐለ ማሕበራዊ ቀረባት ካብቲ መሰረታዊ ኣገልግሎታት በዂሩ እኳ እንተ ጸንሐ፡ ድሕሪ ዳግም ምውላዕ ኲናት ግን እቲ ዝነበረ ንኡስ ምብጻሕ ሓገዝ መሊሱ ከም ዘጸገመ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክሕብር ጸኒሑ።

XS
SM
MD
LG