ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕብረት ኣውሮጳ ዩክሬን ኣጽዋር ክትገዝእ ዘፍቕድ ውሳነ ኣጽዲቑ


ላዕለዋይ ልኡኽ ሕብረት ኣውሮጳ ጆሴፍ ቦረል
ላዕለዋይ ልኡኽ ሕብረት ኣውሮጳ ጆሴፍ ቦረል

ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ብዝፈፀመቶ ወራር ሰፊሕ እገዳታት ዘንበረ ሕብረት ኣውሮጳ ቅድሚ ሎሚ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ንዩክሬን ኣፅዋር ንምግዛእ ምፅዳቑ ትማሊ ሰንበት ኣፍሊጡ።

ብሚልዮናት ዩሮ ዝቑጸር መደብ ሕብረት ኣውሮጳ ዩክሬን ንናይ ኣየር መከላኽሊ፣ ፀረ ታንኪ ኣፅዋራትን ካልኦት ወታሃደራዊ መሳርሕታትን መዕደጊ ዝውዕል እዩ።ነዳዲ፣ናይ ጥይት መከላኸሊ ክዳን፣ናይ ሓፂን ቆቢዕን ንቀዳማይ ረድኤት ሕክምና ዝኸውን ናውቲን ዝሕውስ'ውን እዩ።

ላዕለዋይ ልኡኽ ሕብረት ኣውሮጳ ጆሴፍ ቦረል እዚ ኵናት እዚ ናትና ፅምዶ ስለዘድልዮ ንሰራዊት ዩክሬን ንሕግዞ ኣለና ኢሎም።ንሱ ብተወሳኺ ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ኵናት ኣፅዋር ኣይሕግዝን ዝብል ዝተኸልከለ ተግባር ድሕሪ ሕጂ ኣይሰርሕን ኢሎም።

ብክሬምሊን ዝሕገዛ መራኽቢ ማዕኸናት ኣርቲን ስፓትኒክን ሓዊሱ ንነፈርቲ ሩሲያ ምዕፃው ሰማያቱ ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ ቤላሩስ ዝንበር እገዳታት ብመራሕቲ ሕብረት ኣውሮጳ ክፀድቕ ትፅቢት ይግበር።

እዞም ስጉምትታት ኣብ ልዕሊ ባንክታትን ናይ ገንዘብን ዝውውራት ሩሲያ ቅድሚ ክልተ መዓልታት ዝተወስዱ እገዳታት ተወሰኽቲ እዮም።

XS
SM
MD
LG