ሕብረት ኣውሮጳ ነቲ ኣብ ሰነ ዝካየድ መስርሕ ምርጫ ንምዕዛብ ዘኽእሎ ቅድመ ኩነታት ስለዘይተማለአሉ፣ ተዓዘብቲ ከምዘይልእኽ ገሊጹ።
ሕብረት ኣውሮጳ ዝዘርገሖ መግለጺ ቅድመ ኲነታት ስለዘይተማልኡ፣ ምልኣኽ ተዓዘብቲ ተሰሪዙ ኣሎ ይብል ።
እቶም ቅድመ ኩነታት፣ ናጽነት’ቲ ዝላኣኽ ጉጅለን ናብ ኢትዮጵያ ንክኣትው ዝተደለየ ኣቁሑት ርክባትን ዝሓቁፍ ከምዝኾነ’ውን እቲ መግለጺ ጠቂሱ ኣሎ። እቲ ሕብረት ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ፣ ንፖለቲካዊን ሰብኣዊን መሰላት ኩሎም ኢትዮጵያዊያን ንምርግጋጽ ጻዕሮም ንከዛይዱ ኣተባቢዑ ኣሎ ።
እዚ ከምዚሉ ከሎ፣ ካብ ቤት ጽሕፈት ርክባት ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ዝወጸ መግለጺ ከምዝሓበሮ "መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ዴሞክራሲያዊን ሰላማዊን ምርጫ ንክህሉ ሰናይ ድልየቱ ኣርእዩ እዩ፣ ክሳዕ ዝካኣሎ ዓለምለኸ ተዓዘብቲ ዝዋስእሉ ምዕሩይ ባይታ ንምፍጣር ሰሪሑ እዩ" ይብል።
እቲ መግለጺ ወሲኹ "ንኩሎም ዓለምለኸ ተዓዘብቲ ንቅበል ኢና፣ ዘይሩ ዘይሩ ግን፣ ናይ መወዳእታ ፈራዲ፣ ህዝቢ ኢትዮጵያ እዩ፣ ስለዚ፣ ኩሎም ኢትዮጵያዊያን ንክምዝገቡ ነተባብዕ፣ ንከባቢኦም ንክሕልውን ትኩራት ንክኾኑን ነተሓሳስብ" ኢሉ ኣሎ።