ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ኢትዮጵያ ድኽነት ንምጉዳል ዝውዕል 26 ሚልዮን ዩሮ ሓገዝ ወፍዩ


ሕብረት ኣውሮጳ ንዝተፈላለዩ ፕሮግራማት ምጉዳል ድኽነት ዝውዕልን 26 ሚሊዮን ዩሮ ንኢትዮጵያ ወፍዩ ሓጊዙ።

ኮሚሽነር ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ሃገራዊት ስግኣት ሓደጋ ኢትዮጵያ ኣቶ ምትኩ ካሳ ከምዝገለፁዎ እቲ ፕሮግራም ኣብ ትምህርቲ፣ጥዕና፣ሕርሻን ካልኦትን ዓውድታት ንከጋጥሙ ዝኽእሉ ሓደጋታት ንምንካይ ዝውዕሉ እዮም ኢሎም።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ሕብረት ኣውሮጳ ዮሃን ቦርግስታም እቲ ሓገዝ ንዝቕፅሉ ኣርባዕተ ዓመታት ዝጸንሕ ፕሮግራም ዝውዕልን ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ሽግር ንምክልኻል ዝሕግዝ እዩ ኢሎም።

እቲ ሓገዝ ኣብ ክልላት ኦሮሚያ፣ኣምሓራ፣ሶማሌን ደቡብን ዝውዕል ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ ።

XS
SM
MD
LG