ዋሽንግተን —
ዋግነር ዝብሃል ናይ ሩስያ ወተሃደራዊ ተቛራጺ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ግጭታት ጸገም ይፈጥር ኣሎ ብምባል ሕብረት ኤውሮጳ ንዝመጽእ ሰኑይ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ማዕቀብ ክገብር ይዳሎ`ሎ።
ሚንስተራት ጉዳያት ወጻኢ ሕብረት ኤውሮጳ ዝመጽእ ሰሙን ኣብ ብራስልስ ተራኺቦም ኣብ ልዕሊ ዝተወሰኑ ትካላትን ውልቀሰባትን ዲፕሎማትን ሩስያ ማዕቀብ መገሻን ምድስካል ንብረትን ከጽድቑ ይዳለዉ`ለዉ።
ሕብረት ኤውሮጳ ወተሃደራዊ ተቛራጺ ትካል ሩስያ ዋግነር፡ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ዩክሬንን ሶርያን ናይ ዘይምርግጋእ ሳዕቤን ኮይኑ`ሎ ይብል ።
መንግስቲ ሩስያ ግን ምስ ትካል ዋግነር ዝኾነ ምትእስሳር የብለይን ክብል ነቲ ክሲ ነጺግዎ`ሎ።