ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕብረት ኣውሮጳ አባል ሃገራት ድሕነት ጋዜጠኛታት ንምሕላው ብዕቱብ ክሰርሓ ጸዊዑ


ሕብረት ኤውሮጳ: ኣባል ሃገራቱ ንድሕነት ጋዜጠኛታት ኣብ ምሕላው ብዕቱብ ክሰርሓ ሓቲቱ።

እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ ኣብ ልዕሊ ሰብ-ሞያ መሓውራት ዜና ብኣካልን ብኦንላይንን ዝግበር መጥቃዕቲ እናወሰኸ ስለዝኸደ`ዩ። .

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ጥራይ 908 ጋዜጠኛታትን ሰራሕተኛታት ሚድያን መጥቓዕቲ ከምዘጋጠሞም ዝገልጽ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ካብ 1992 ንድሓር ፡23 ጋዜጠኛታት ኣብ ውሽጢ`ቲ ደምበ ከም ዝተቐተሉ ኣፍሊጡ`ሎ።

ብመሰረት ጸብጻብ ኣሶሸይትድ ፕረስ ዝበዝሑ ድማ ኣብዘን ዝሓለፋ ሽዱሽተ ዓመታት ዝተቐተሉ`ዮም።

ምኽትል ፕረዚደንት ኮሚሽን ክብርታትን ግልጽነትን ኤውሮጳ ቨራ ጀውሮቫ "ዝኾነ ጋዜጠኛ ብዝሰርሖ ክቕተል የብሉን- ንደሞክራሲ ኣገደስቲ ስለዝኾኑ ክንሕግዞም ኣለና"ይብል ።

እቲ ቅትለት ኣብ ኤውሮጳ ሳሕቲ`ኳ እንተኾነ ኣብ ቀረባ ዓመታት ኣብ ስሎቫኪያን ኣብ ማልታን ዝተፈጸመ ቅትለት ግን ኣብ ዝማዕበላ ሃገራት ቅትለት ጋዜጠኛታት ምውሳኹ ዘርኢ`ዩ።

ብኻልእ ወገን ብመሰረት ሕብረት ኤውሮጳ 73 ሚእታዊት ደቀንስትዮ ጋዜጠኛታት ብኦንላይን ዝግበር በደላት የጋጥመን። በዚ ምኽንያት ድማ ንደቀንስትዮ ዘሐይልን፡ ንውሑዳን ጉጅለታትን ነቶም ኣብ ጉዳያት ማዕርነት ዝጽብጽቡን ዝከላኸል ሕግታት ክወጽእ፡ ኮሚሽን ሕብረት ኤውሮጳ ጸዊዑ`ሎ።

ጋዜጠኛታት ብዙሕ ግዜ ኣብ ግዜ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታትመጥቓዕቲ ስለዘጋጥሞም ንድሕነቶም ዝምልከት ኣሰራርሓ ክተኣታቶ`ውን እቲ ፈጻሚ ኣካል ሕብረት ኤውሮጳ ይመክር።

ኣብ ከምኡ ዓይነት ኣጋጣምታት፡ እቶም ጋዜጠኛታት ስርሖም መታን ብግቡእ ክሰርሑ፡ ዘይተደረተ ዕድል ክውሃቦም፡ከም ፖሊስ ዝበሉ ኣኽበርቲ ሕጊ ግቡእ ስልጠና ክወስዱ ኣባል ሃገራት ክሰርሓሉ`ውን የተሓሳስብ።

ብኦንላይን ዝግበር መጥቃዕቲ`ውን ንዲጂታል ሚድያ ዘሰክፍ ኮይኑ ከምዘሎ ዝገልጽ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ኣብ ልዕሊኦም ዝግበር ዘይሕጋዊ ስለያ`ውን ንሓደጋ የቃልዖም ከምዘሎ ይጠቅስ። ኣብ መንጎ ሚድያን ሳይበራዊ ጸጥታ`ውን ምትሕብባር ክህሉ ኣለዎ ይብል።እዚ እማመታት ዝቐረበ፡ ኮሚሽን ኤውሮጳ ብዛዕባ ምኽባር ሕግታት ንደሞክራሲያዊ መዐቀንታትን፡ ምብሕጓግ ናይቶም መሰላት ኣብ ኣባል ሃገራትን ብዝምልከት፡ ዓመታዊ ጸብጻብ ድሕሪ ምቕራቡ ድሕሪ ኣዋርሕ`ዩ። ኣብቲ ሪፖርት ኣብ ልዕሊ ሚድያ ብዝፍጸም መጥቃዕቲ ኣብዚ እዋን ፕረዚደንትነት ሕብረት ኤውሮጳ ሒዛ ዘላ ስሎቨንያ ተፈልያ ተጠቒሳ`ላ።

ምኽትል ፕረሲደንት ኮሚሽን ክብርታትን ግልጽነትን ኤውሮጳ-ቨራ ጀውሮቫ እንተኾነ ስሎቨንያ ጥራይ ኣይኮነትን ኣብ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ`ውን ይርኣይ ስለዘሎ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብተን እቲ መጥቃዕቲ ዝርኣየለን ሃገራት ጸቕጡ ምዕራፉ ክቕጽል ንጽውዕ ይብል።

XS
SM
MD
LG