ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕብረት ኣውሮጳ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንክልል ትግራይ ምስ ዓለም ከራኽባ ጸዊዑ


ፋይል
ፋይል

ሕብረት ኣውሮጳ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንክልል ትግራይ ምስ ዓለም ከራኽባ ኣለዎ ክብል ፀዊዑ።ንሓደ ዓመት ዝፀንሐ 'ከፊል ዕፅዋ' ኢሉ ዝፀውዖ ንሓደ ሚሊዮን ዝጠመዩ ሰባት ክዕንግል ዝኽእል መግቢ ብሕፅረት ነዳዲ ኣብ መኽዘናት ተቐሚጡ ኣሎ ኢሉ።

ኣብ ሕብረት ኣውሮጳ ኮሚሽነር ኣተሓሕዛ ቅልውላው ጀነዝ ለናርቺች ትማሊ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ ቁጽሪ ኣብ ቀረባ ረድኤት ፅዒነን ናብ ክልል ትግራይ ይኣትዋ ዘለዋ መካይን ምውሳኹ ኣወንታዊ ምዕባለ እንተኾነ እውን 115 ሚሊዮን ህዝብ ዘለዋ ኢትዮጵያ ምስ ሕብረት ኣውሮጳ ዝህልዋ ርክባት ናብ ንቡር ቅድሚ ምምላሱ ‘’ተወሳኺ ስራሕ ክስራሕ ኣለዎ’’ኢሎም።

"ኣብ ኣገልግሎታት ባንኪ፣ሓይሊ መብራህቲን ቴሌኮምኒኬሽንን ዕፅዋ ዝቕፅለሉ ምኽኒያት ኣይርኣየንን" ዝበሉ ሌናርቺች ‘’ክፋል ዕፅዋ’’ ክልል ትግራይ ድሕሪ 19 ኣዋርሕ ረድኤት ዘድልዮ 5.2 ሚሊዮን ህዝቢ እናሃለወ ንፃዕርታት ሰብኣዊ ሓገዝ ዕንቅፋት ይፈጥር ኣሎ ኢሎም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዳዲን ጥረ ገንዘብን ናብ ክልል ትግራይ ከይኣትው ዘንበሮ እገዳታት ከልዕል እቶም ኮሚሽነር ፀዊዖም።

ን950,000 ህዝቢ ዝዕንግል መግቢ ስኣን ነዳዲ ኣብ መቐለ ተኸዚኑ ከምዝርከብ ሕቡራት ሃገራት ኣብዚ ወርሒ ገሊፁ እዩ።

ሌናርቺች"መኽዘናት መሊኦም ብዝለዓለ ደረጃ ረድኤት ናብ ዘድልዮም ገጠራት ክንወስደሉ ዘይንኽእለሉ ኩነታት እዩ ዘሎ’’ኢሎም። ገንዘብ ካብ ባንኪ ከውፅኡ ስለዘይክእሉ ብዙሓት ሰባት ምሉእ ብምሉእ ኣብ ረድኤት ከምዝውከሉ ሓቢሮም።

ንሶም ወሲኾም "ክልቲኦም ወገናት ኣብ ቀረባ ናብ ፅምዶ ክኣትው ተኽእሎ ከምዘሎ እኣምን እየ፤እዚ ብህፁፅ ክኸውን ኣለዎ ድማ’’ ኢሎም።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብቲ ግጭት መግሃስቲ ሰብኣዊ ኣብ ዝነበረሉ ሕብረት ኣውሮጳ ንኢትዮጵያ ዝህቦ 17 ሚሊዮን ዶላር ሓገዝ በጀት ኣጊዱዎ እዩ።

XS
SM
MD
LG