ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢማራት ዓረብ ኤምባሲኣ ዳግም ኣብ ሶርያ ከፊታ


ሕቡራት ዓረብ ኢማራትስ ድሕሪ ሸውዓተ ዓመታት ኣብ ሶርያ ዝነበረ ኤምባሲኣ ትማሊ ሓሙስ ዳግማይ ከፊታቶ።

ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ዳግመ ምኽፋት ኤምባሲ ሕቡራት ዓረብ ኢማራትስ ቻርዠ ደ ኣፌርስ’ታ ሃገር ኣብ ሶርያ ዓብደልሃኪም ኒያሚ ተረኺቦም ባንዴራ ሃገሮም ኣብ ከተማ ደማስቆ ከተንበልብል ተዓዚቦም።

ሕቡራት ዓረብ ኢማራትስ ኤምባሲኣ ዳግም ኣብ ሶርያ ከፊታ
please wait

No media source currently available

0:00 0:00:58 0:00

እዚ ስጉምቲ ኣብ ቀረባ እዋን ብወታሃደራዊ ምትሕብባር ሩስያን ኢራንን ዓወት ዘመዝግብ ዘሎ መራሒ ሶርያ ዘበራትዕ’ዩ ተባሂሉ’ሎ። ብተወሳኺ ዳግማይ ምኽፋት’ቲ ኤምባሲ ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ባሻር ኣል ኣሳድን ተጻባእቲ ሃገራት ዓረብ ዝነበረ ዝምድና ምምሕያሹ ዘርእይ’ዩ ይብሉ።

ኣቐዲሙ ኣብ መጀመርያ ወርሒ ታሕሳስ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ኣልበሽር ድሕሪ ኹናት ሓድሕድ’ታ ሃገር ፈለማ ናብታ ሃገር ዝበጽሑ መራሒ ናይ ዓረብ ሃገር ብምዃን ናይ ሓደ መዓልቲ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ምክያዶም ይፍለጥ።

ሕቡራት ዓረብ ኢማራትስ ንነዊሕ እዋን ነቲ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ሰሜናዊ ምምሕዳር ኢድሊብ ጥራይ ተሓጺሩ ዝርኸብ ተቓወምቲ ሶርያ ክትድግፍ ምጽንሓ'ውን ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG