ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕቡራት ሃገራት ኩነታት ኣብ መዳጎኒ ማእከል ሊብያ ዘለው ስደተኛታት ከምዘሻቐሎ ገሊጹ


ወሃቢ ቃል ናይ ሕቡራት ሃገራት ኮሚሽን ሰብኣዊ ጉዳያት ሩፐርት ኮልቪል ሎሚ ዓርቢ ኣብ ጀነቫ ዝርከብ ዋና ቤት ጽሕፈት’ቲ ውድብ ዝሃብዎ መግለጺ ኩነታት እቶም ኣብ መዳጎኒ ማእከል ሊብያ ዝርከቡ ስደተኛታት ከምዘሻቀሎም ሓቢሮም።

ብመሰረት ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ኣስታት 3,400 ስደተኛታት ኣብ መዳጎኒ ማእከል ስደተኛታት ከተማ ትሪፖሊ ተታሒዞም ይርከቡ።

ብተወሳኺ ብኣንጻር’ቲ ኣብታ ሃገር ዝረአ ዘሎ ጎነጽን ዘይምርግጋእ ጸጥታ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ዘድሓኖም ኣስታት 2.300 ሰባት ናብዞም መዳጎኒ ማእከላት ተወሲዶም እዮም።

ወሃቢ ቃል ኮሚሽን ሰብኣዊ ጉዳያት ሕ/ሃ ሩፐርት ኮልቪል ኣብ ቀረባ እዋን ኣባላት’ቲ ውድብ ኣብ ዚታን መዳጎኒ ማእከል ዝርከቡ 654 ስደተኛታት ምብጽሖም ገሊጾም፡ ኩነታት እቶም ስደተኛታት ኣብ ዝኸፈአ ደረጃ ከምዝርከብ ኣረዲኦም።

“ መብዛሕትኦም ብጉድለት ዝተመጣጠነ መግቢ ዝተጠቕዑን ሕጽረት ዝስተ ማይ ዘለዎም ኣብ ካብ ዓቐን ንላዕሊ ዝተጸቓቐጡ መዳጎኒ ማእከላት ይርከቡ"ኢሎም።

ኮልቪል ብተወሳኺ መብዛሕትኦም ካብቶም ስደተኛታት ኣብ መዓልቲ ሓንሳብ 200 ግራም ዝምዘን ፓስታ ጥራይ መግቢ ከምዝረኽቡ ገሊጾም።

ካብቶም ኣብ ዚታን ዘለው ስደተኛታት 432 ኤርትራዊያን ክኾኑ ከለው 132 ድማ ህጻናት ምኳኖም እውን ሓቢሮም ኣለው።

ብተመሳሳሊ 30 ካብቶም ስደተኛታት ኣብ ዝሓለፈ መስከረም ብሕማም ቲቪ ዝሞቱ ክኾኑ ከለው 60 ካብኦም በዚ ሕማም ዝተጠቕዑ ኣብ ዝተፈለየ መዳጎኒ ግን ኸአ ኣብ ዝያዳ ዝኸፍአ ኩነታት ተታሒዞም ከምዘለው ምዕዛቦም ገሊጾም።

XS
SM
MD
LG