ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕቡራት  ሃገራት  ኣብ ገጠራት ትግራይ ይኽሰት ብዘሎ መጥቃዕቲን መግሃስቲን ሻቅሎቱ ገሊጹ 


ሕቡራት ሃገራት ውግእ ኣብ ክልል ትግራይ ካብ ዝጅመር ንደሓር ኣብ ዘሎ ክልተ ወርሒን ፈረቃን፣ ብኣማኢት ኣሻሓት ዝቑጸር ህዝቢ፣ ሓገዝ ይረክብ ብዘይምህላው ሻቕሎቱ ገሊጾም ።

ወሃቢ ቃል ሕቡራት ሃገራት "ኣብ ገጠራት ትግራይ የጋጥም ዘሎ መቁሰልቲን ሞትን፣ ከምኡውን ኣብ ልዕሊ ሲቪላት ንጾታዊ መጥቃዕቲ ሓዊሱ ዝፍጸሙ መግሃስታት ዝምልከቱ ሓባሪ ሪፖርታት ይመጸና ኣሎ እንተኾነ ሓቂ ንምዃኑ ከይነረጋግጽ ብድሆ ኮይኑና አሎ ይብል። ብሰበ ስልጣን ናብ ዝተፈቀደ ውሱን ከባቢታት ረድኤት ነብጽሕ ኣለና፣ እንተኾነ፣ ምስ’ቶም ሓገዝ ዝጽበዩ 2.3 ሚልዮን ክነጻጸር ከሎ ናብ ኣዝዩ ውሑድ ህዝቢ ኢና ንበጽሕ ዘለና’ውን" ኢሉ።

ሰራሕተኛታትና ይብል ንሱ ‘ብሕልፊ ኣብ መዓስከር ስዱዳት ሕጻጽን ሽመልባን ኣዝዩ ኣሻቃሊ ኮይኑዎም ከምዘሎን ናብ’ቶም መዓስከራት ክኣትው ከምዘይካኣሉን ይገልጹልና ኣለው’ ይብል እቲ ወሃቢ ቃል።

አብ መብዛሕትኡ ዞባታት ትግራይ ባንኪታት ተዓጽዮም ስለዘለው 270 ሽሕ ተጠቀምቲ ሴፍቲ ኔት ብዘይ ሓገዝ ተሪፎም ከምዘለው ጠቂሱ።

ብዝተኣሳሰረ ዜና፣ ኣብ ክልል ትግራይ ንዝርከባ ትካላት ጥዕና መድሓኒት ንምቅራብ ጸገም ጸጥታ ዕንቅፋት ኮይኑኒ ኣሎ ክብል ቤሮ ሓለዋ ጥዕና’ቲ ክልል ሎሚ ኣፍሊጡ።

ኣብ’ቲ ቢሮ ሓላፊ ኣተሓባባሪ ክፍሊ ፋርማሲ ኣቶ ገ/እግዚኣብሄር ገ/ገርጊስ ‘ኣብ’ቲ ክልል ውሑዳት ትካላት ኣገልግሎት ይልግሳ ከምዘለዋ ገሊጹ’ ኣሎ ከምዝበሉ ወኪልና ሙሉጌታ ኣጻባሃ ገሊጹ።

XS
SM
MD
LG