ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕቡራት ሃገራት መብዛሕትኦም ኢትዮጵያዊያን ዝኾኑ ኣብ የመን ተታሒዞም ዘለው ስደተኛታት ክፍትሑ ይጽውዕ


ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት( IOM ) መብዛሕትኦም ኢትዮጵያዊያን ዝኾነ ኣብ ደቡባዊ የመን ሰብኣዊ ብዘይዝኾነ ኣተሓሕዛ ተአሲሮም ዘለው ስደተኛታት ክፍትሑ ጻውዒት ኣቕሪቡ’ሎ።

እቶም ስደተኛታት ዓለምለኸ ኣፍልጦ ካብ ዘለዎም ብስዑዲን ሕቡራት ኢማራትን ዝድገፍ መንግስቲ ዝቆጻጸሮ ከተማታት ዓደንን ላሂን ቅድሚ ክልተ ሰሙን ዝተታሕዙ ምኳኖም ተፈሊጡ’ሎ።

ወሃቢ ቃል ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ጆወል ሚልማን ኣብ ከተማ ጀነቫ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ “ ኣስታት 3,000 ስደተኛታት ኣብ ዓደንን ኣብያን ክፍለ ግዝታት የመን ኣብ መዳጎኒ ማእከል ተታሒዞም ኣለው” ኢሎም።

ንሶም ብተወሳኺ ኣስታት 2,500 ስደተኛታት ኣብ ስታድዮም ከተማ ዓደን ተታሒዞም ከምዘለውን ሰራሕተኛታት ሓገዝ ወሃብቲ ትካላት ኣብቲ ቦታ ዝትራእዩ ሕማማት ንምቁጽጻር ይቃለሱ ከምዘለው ሓቢሮም።

ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሓለውቲ ብዝተኾስዎ ጥይት ክልተ ስደተኛታት ምቁሳሎም ሓቢሮም ኣለው።

ጆወል ሚልማን ትካሎም ኩነታት እቶም ኣብ ዘይሰብኣዊ ኩነታት ኣብ የመን ተታሒዞም ዘለው ስደተኛታት ከምዘተሓሳስቦ ኣይሓብኡን።

ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ወታሃደራዊ መዓስከር ላሂ ተታሒዞም ዝነበሩ ኣስታት 1,400 ስደተኛታት ኣብ ቀረባ መዓልታት ከምዝተፈትሑ ዝሕብር ጸብጻብ ከምዝረኸበን 14 ካብኦም ኣብቲ ቦታ ብዝተራእየ ሕማም ውጽኣት ምሟቶም ገሊጹ’ሎ።

ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ብወገኑ ኣስታት 237 ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ብወለንትኦም ናብ ሃገሮም ከምዝምለስ ኣፍሊጡ’ሎ።

XS
SM
MD
LG