ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕቡራት ሃገራት ንዕጡቓት ሑቲ ብግብረሽበራ ምፍራጅ ኣሉታኡ ይዓዝዝ ኢሉ


ንደባይ ተዋጋእቲ ሑቲ ኣብ የመን፣ ኣብ ዝርዝር ጉጅለ ፈጠርቲ ራዕዲ ምፍራጅ፣ ንዞባዊ መስርሕ ዲፕሎማሲ ዘተዓናቅፍን፣ ንዛጊት ጥፍኣት ወሪድዎ ዘሎ ሰብኣዊ ኩነታት የመን ከምዘጋድዶን'ዩ ክብሉ ተንተንቲ ገሊጾም።

ኣሜሪካ ንደባይ ተዋጋእቲ የመን ኣብ ዝርዝር ጉጅለ ፈጠርቲ ራዕዲ ምክታታ፣ ኣብ ልዕሊ’ቶም ደገፍ ኢራን ዝኸስቡ ሰለስተ መራሕቲ’ቲ ጉጅለ እገዳ ንክንበረሎም’ውን ዝጽውዕ እዩ። እዚ ሓድሽ ተበግሶ ኣብ መወዳእታ መዓልቲ ስልጣን ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ግብራዊ ክኸውን እዩ ዝብል ትጽቢት ኣሎ።

ሕቡራት ሃገራት ግን፣ ናይ’ቶም ደባይ ተዋጋእቲ ኣብ ዝርዝር ጉጅለ ፈጠርቲ ራዕዲ ምክታት፣ ንጻዕሪታት ልዝብ ሰላምን ኣብ’ታ ካብ ዓረባዊ ዓለም ኣዝያ ዝደኸየት ሃገረ የመን ዘሎ ስራሓት ሰብኣዊ ረድኤት ከጋድዶ እዩ ብምባል ኣብ ምጥንቃቅ ይርከብ።

ወሃቢ ቃል ሕቡራት ሃገራት ስቴፈን ያሪክ ናብ ዋሽንግተን ኣብ ዘመሓላለፎ ምሕጽንታ "ንምብጻሕ ሰብኣዊ ረድኤት ኣብ የመን ተባሂሉ፣ እቲ መግለጺ ንክውንዘፍ" ሓቲቱ ኣሎ።

ብመሰረት ሪፖርት ሕቡራት ሃገራት፣ 80 ሚእታዊት ካብ 30 ሚልዮን ህዝቢ የመን ተቀባላይ ረድኤት ከምዝኾነ፣ 13 ሚልዮን የመናዊያን ድማ ሕሱም ሕጽረት ቀለብ ዘለዎም እዮም።

ንጉዳይ የመን ትከታተል ሄለን ሌክነር ’90 ሚእታዊ መሰረታዊ ቀረባት የመን ካብ ወጻኢ ሃገራት ዝኣቱ ስለዝኾነ፣ ገለ ምትእጉጓል እንተጋጢሙ ዝያዳ ዝጉዳእ፣ ህዝቢ የመን’ምበር ደባይ ተዋጋእቲ ሁውቲ ኣይኮኑን’ ትብል ንሳ ወሲኻ ‘ከምኡ እንተኾይኑ፣ ክሞቱ ዘይግበኦም ሰባት’ዮም ክሞቱ። ተራ ዜጋታት’ምበር ላዕለዎት መራሕቲ ኣይኮኑን ዝጉድኡ። ላዕለዎት መራሕቲ መብዛሕትኡ ጊዜ ኣይሳቀዩን። ንሁውቲ’ውን ካብ ምንቅስቃስ ኣይድርቶምን። ዘስዕበሎም ጽልዋ’ውን ኣይክህሉን እዩ፤ ኢላ።

መሪሕነት ኣሜሪካ ኣብ’ዚ ቀረባ መዓልታት ክትግበሮ ዝወጠኖ ምፍራጅ ሁውቲ፣ ብይመጽእ ዘሎ ምምሕዳር ባይደን ክቅልበስ ከምዝኽእል’ውን ሄለን ሌክነር ትሕብር።

Recommended

XS
SM
MD
LG