ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕ/ሃ፡ ሃገራት ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ዘለወን ኣሉታዊ ኣረኣእያ ክገድፋን ኣኽብሮት ክህባን ይጽውዕ


ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ኣብቲ ሎሚ ታህሳስ 18 ዝዝከር ዓለምለኸ መዓልቲ ስደተኛታት፡ ሃገራት ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ዘለወን ኣሉታዊ ኣመለካኽታ ክገድፋን ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ንዝህወስዎ ማሕበረሰብ ክጠቕሙ ዝግብኦም ክብሪ ክወሃቦም ኣለዎም ክብል ጻውዒት ኣቕሪቡ።

ሕቡራት ሃገራት ታህሳስ 18 ዓለምለኸ መዓልቲ ስደተኛታት ኮይኑ ክዝኸር ኣብ 2000 ዓ.ም ኣብ ዝኣወጀሉ እዋን ኣስታት 150 ሚልዮን ሰባት ካብ መነባብርኦም ዝተመዛበሉ ኔሮም ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ድሕሪ 18 ዓመታት እቲ ቁጽሪ ናብ 258 ሚልዮን ምውሳኹ ይሕብር።

ዋላ’ኻ ብዝሒ ዘለዎም ሰባት ብሰንኪ ቑጠባዊ ኩነታት ካብ ሃገሮም ናብ ካልኦት ሃገራት ዝስደዱ እንተለው ኣስታት 40 ሚልዮን ሰባት ኣብ ውሽጢ ሃገሮም ካብ መነባብርኦም ዝተመዛሉ ከምዘለው ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ይሕብር።

ዳይሬክተር ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት(IOM) ኣንቶንዮ ቪቶሪንዮ ብዙሓት ሰባት መንበሪኦም ገዲፎም ክስደዱ ኣይደልዩን እዮም እንተኾነ ካብ ቁጽጽሮም ወጻኢ ብዝኾነ ኩነታት ተገዲዶም ግን መነባብርኦም ሓዲጎም ክስደዱ ይግደዱ። ንኣብነት ይብሉ ኣንቶኒ ቪቶሪንዮ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ብ ልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ምስ ክሊማ ብዝተሓሓዝ ኩነታት ወይ’ውን ባህሪያዊ ሓደጋታት ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም ናብ ካልእ ቦታ ይሰደዱ።

ወሃቢ ቃል ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ጆወል ሚልማን ሰባት ምስዳዶም ጥራይ ናብ ዝኸፍአ ሓደጋ ከምዘቓልዖም ይሕብሩ።

“ ብመሰረት ጸብጻብ ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ኣብ ዓመተ 2018 ጥራይ ኣብ መላእ ዓለም 3,400 ስደተኛታትን ፍልሰተኛታት ህይወቶም ስኢኖም። መብዛሕትኦም ኣውሮጳ ንምብጻሕ ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ምቑራጽ ዝሞቱ ክኮኑ ከለው ብዝሒ ዘለዎም ቁጽሮም ብርግጽ ዘይፍለጥ ኸአ ኣብ ሰፋሕቲ ምድረበዳታትን ዱራት ኣብ ምቑራጽ ዝጠፍኡ ከምዘለው ንፈልጥ።”

ናይ ሎሚ ዓመት ዓለምለኸ መዓልቲ ስደተኛታት ሓደ መዓልቲ ድሕሪ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ዓለምለኸ ስደት ንምቅላስ ዝብል ኣብ ታህስስ 11 ዝተበጽሓ ስምምዕ ከምዝድግፎ ምግላጹ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ይዝከር ኣሎ። እዚ ስምምዕ መብዛሕትኣን ሃገራት ዝተቐበልኦ እንተኾነ ካብ ኣውስትራልያ፡ኣሜሪካ፡ሃንጋሪ፡ኢጣልያ፡ኦስትርያን ፖላንድን ግን ተቓውሞ ገጢምዎ ኣሎ።

ቪቶሪንዮ እቲ ስምምዕ ስደተኛታት ዝግብኦም ክብሪ ኣብ ምሃብ ኣገዳሲ ስጉምቲ ምኳኑ ብምግላጽ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ምትሕብባር ንምፍጣር’ውን ጠቓሚ ምኳኑ ይገልጹ።

ንሶም በተወሳኺ እቲ ስምምዕ ሃገራት ዝሓሸ ምቁጽጻር ስደተኛታት ክህልወን ዘኽእል’ዩ ድሕሪ ምባል እዚ ድማ ሃገራት ብብውልቀን ክጎናጸፍኦ ኣይከአልን ስለዚ ብዝኾነ ደረጃ ዝካየድ ምትሕብባር አገዳሲ’ዩ ይብሉ።

XS
SM
MD
LG