ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕቡራት ሃገራት፡ ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ክልል ትግራይ ክኣቱ ጀሚሩ ኢሉ


ሕቡራት ሃገራት፡ ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ክልል ትግራይ ክኣቱ ጀሚሩ ኢሉ።

ወሃቢ ቓል ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ናይ ትማሊ ረቡዕ ጋዜጣዊ መግለጺኡ፥ ሽሕ`ኳ ናብቲ ከባቢ ግጭት ንምእታው ዘሎ ዕድል ውሱን እንተኾነ ሰብኣዊ ረድኤት ቀስ ብቐስ ናብ ክልል ትግራይ ክኣቱ ጀሚሩ`ሎ ኢሉ።

ውድብ ጥዕና ዓለም`ውን ንሰለስተ ወርሒ ንልዕሊ 10 ሺሕ ተሓከምቲ ዝኸውን ቀረባት ሕክምና ናብቲ ቦታ ምልኣኹ ኣፍሊጡ`ሎ።

ብተወሳኺ ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ ኣብ መዓስከራት ዓዲ ሓርሽን፥ ማይ ዓይንን ናብ ዝርከቡ 35 ሽሕ ስደተኛታት ዝኸውን ቀረባት መግቢ ከብጽሕ ከምዝኸኣለ፡ ናብ ሒጻጽን ሺመልባን ዘቕንዓ ቃፍላይ ግን ኣብቲ ከባቢ ብዘሎ ናይ ጸጥታ ስግኣት ከም ዝተመልሳ ኣፍሊጡ`ሎ።

ከሚካል መጻረዪ ማይ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ክልል ኣምሓራን ምዕራባዊ ክፋል ትግራይን ንዝተፈናቐሉ ከም ዝተዋህበ ዝገለጸ ወሃቢ ቓል ሕቡራት ሃገራት፥ ኣብ ሰሜናዊ ክልል ኣምሓራን ምዕራባዊ ዓፋርን`ውን ንሓሙሽተ ሺሕ ተመዛበልቲ ዝውዕል፥ ማይ፥ መጸራረዪ፣ ካልእ ዘይ-መግባዊ ዝኾነ ቀረባት ጽርየትን ከምዝኣተወ ኣፍሊጡ።

ትካላት ሕቡራት ሃገራት ምስ ሰበ-ስልጣን ኢትዮጵያ ብምዃን ሓበረታ ሰብኣዊ ጠለባት ዝለዋወጥሉ ማእከል ንምቛም ምስምምዖም ዝጠቐሰ ወሃቢ ቃል-ሕቡራት ሃገራት፥ብዛዕባ ምንቅስቓስን ድሕነትን ሰራሕተኛታት፡ ከምኡ`ውን ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ምንቅስቓሳት ሓበረታ ኣብ ምልውዋጥ ዘሳልጥ ምዃኑ ገሊጹ`ሎ። ንሱ`ውን ኣብ ከባብታት ዶብ ሓገዝ ዘድልዮም ከምዘጠቓልል ይገልጽ።

ብተወሳኺ ወሃቢ ቃል-ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኩሉ ከባብታት ክልል ትግራይ፥ ሰራሕተኛታት ረድኤትን ቀረባት ረድኤትን ብውሑስ ድሕነት ናይ ምንቀሳቐስ ዕድል ክውሃቦም ምስ መንግስቲ ጽምዶና ቀጺልና ኣለና ኢሉ`ሎ ።

XS
SM
MD
LG