ናይ ሕቡራት ሃገራት ጉዳይ ስደተኛታት፡ ነቶም ማእከላይ ባሕሪ ንምስጋር ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ዘእትዉ ዘለዉ ብ ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ንምሕጋዝ $100 ሚልዮን ዶላር ተማሕጺኑ።
ኣብ ኣፍሪቃ ዞባ ሳሕል እናኸፍአ ዝኸደ ግጭታትን ኣብ ምብራቕን ቀርኒን ኣፍሪቃ ዘሎ ሓዲሽ ምፍንቓልን፡ ብምድረበዳ ሳሃራ ዝሰግሩ ስደተኛታት ክውስኽ ጌሩ'ሎ።
ብዙሓት ካብኦም ድማ ዑቕባ ንምሕታት ናብ ኢጣልያ ንክኣትዉ ኣብ ሓደገኛ ናይ ባሕሪ ጉዕዞ ይኣትዉ።
ኣብ 2020 ብውሕዱ 1,064 ሰባት ኣብ ባሕሪ ሚዲተራንያን ከምዝሞቱ ወይ ከምዝጠፍኡ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።
ኣብ ናይ መሬት ጉዕዞ ኣብ ሰሃራ ኣስታት 1,800 ከም ዝሞቱ'ውን እቲ ትካል ይገልጽ። ብዛዕባ ዝተሰወሩ'ውን እኹል ዳታ የለን ይብል።
ኣብ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ፍሉይ ልኡኽ ኩነታት ማእከላይ ባሕሪ ቪንሰንት ኮቸተል ክዛረብ ከሎ፡ እቶም ስደተኛታት ኣብ ጉዕዞ ዘጋጥሞም ዘስካሕክኽ ጭካነ ከምኡ ድማ ብኣሰጋገርቲ ሰባት ዘጋጥሞም በደል ከም ዘዘንትዉ ይገልጽ:"ደቀኣንስትዮ ኣብ መንገዲ ብዙሕ ግዜ ከም ዝተዓመጻ ዝነገራና ኣለዋ። ሓደጋት መሸጣ ሰባትን ብዝበዛ ሸቕልን፡ ጾታዊ ዓመጽን ቅትለትን`ውን ኣሎ። ገለ ሰባት ኣብቲ ምድረበዳ ብዘይ መግብን ማይን ከምዝግደፉ`ውን ንሰምዕ።"
በቲ ናይ ስደተኛታት ምንቅስቓስ ካብ ዝተተንከፋ 25 ሃገራት ዝመጹ ንምሕጋዝ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ሕጂ $100 ሚልየን ዶላር ይሓትት ኣሎ።
ከምኡ`ውን ኣብ ሓደገኛ ጉዕዞ ባሕርን ምድረበዳን ንኸይመርጹ ዝሕግዝ`ዩ ይብል እቲ ልኡኽ ትካል ስደተኛታት።
እዚ ወኪል ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት "ነቲ ሓደገኛ ጉዕዞ ደው ክነብሎ ኣይንኽእልን ንኸውን-ግን ስቕ ኢልና ክንቅበሎ የብልናን። ናብ ሊብያ ክሳብ ዝኣትዉ ወይ ኣብ ሰሃራ ክሳብ ዝበጽሑ ክንጽበ የብልናን። ናብ ገምገም ባሕሪ ከይመጹ ከለዉ ኣብ ዝሓሸ ኣገልግሎት ገንዘብ መዲብና ሓለዋ ክንገብረሎም ኣለና" ይብል።
ሃገራት ንስደተኛታት ከም ምጽንባር ስድራቤት ዝበለ ኣህጉራዊ ሕጊ ብምኽታል ውሑስ ዝኾነ መተሓላለፊ ዕድላት ክህባ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ይጽውዕ።