ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕቡራት ሃገራት: መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓገዝ ናብ ትግራይ ንከይኣትው  የተዓናቅፍ ኣሎ ኢሉ 


ፋይል
ፋይል

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ 2.3 ሚልዮን ህጹጽ ረድኤት ተጸባዪ ናብ ዝኾነ ህዝቢ ዝነብረሉን ካብ ቁጽጽሩ ወጻኢ ዝርከብን ገጠራት ትግራይ፣ ሓገዝ ንከይኣቱ ከምዝኸልከለ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ዋና ከተማ'ቲ ክልል ዝኾነት መቐለ ወትሃደራዊ ወፍሪ ድሕሪ ምፍጻሙ፣ ሰለስተ ኣዋርሕ ሓሊፉ እዩ፣ እንተኾነ ውግእ ኣብ ትግራይ ቀጺሉ ኣሎ። ኣተሓባባሪ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝዘርገሖ መግለጺ ‘ሰብኣዊ ኩነታት ኣብ ትግራይ፣ ኣሻቃሊን የንቆልቁልን ኣሎ’ ይብል።

መግለጺ ሕቡራት ሃገራት ወሲኹ ‘ብሚልዮናት ዝቑጸር ህዝቢ፣ ተጸባዪ ህጹጽ ሓገዝ መግቢ፣ ማይን ካልኦት ቀረባት ኮይኑ ከምዘሎ እንተኾነ ሰራሕተኛታት ረድኤት ናብ’ቲ ዝበዝሐ ተጸባዪ ዝርከቦ ርሑቅ ገጠራት ትግራይ ክኣትው ከምዘይካኣሉን ሓቢሩ።

ትካላት ረድኤት ብሰንኪ ቢሮክራሲያዊ ዕንቅፋታትን ጸገም ጸጥታን ናብ’ቶም ከባቢታት ክበጽሑ ኣይካኣሉን ዝበለ ወሃቢ ቃል ኦቻ የንስ ለርክ ሰራሕተኛታት ረድኤት ናብ ትግራይ ንክኣትው ዘኽእል ፈቃድ ካብ መንግስቲ ምርካብ ከምዘይካኣለ ጠቂሱ።

ንሱ ወሲኹ "ኣዝዩ ብዙሕ ጽዕነት ሰብኣዊ ረድኤት ተቀሪቡ ኣሎ። እንተኾነ፣ ሰራሕተኛታትን ፈቃድ መእተዊን ግና ናብ’ቶም ተጸበይቲ፣ ብሕልፊ ናብ ገጠራት ትግራይ ከበጽሕ ኣይኽእልን። ትካላት ሕቡራት ሃገራትን ዘይመንግስታዊ ማሕበራትን ዳርጋ ተኸልኪሎም ኣለው። ካብ ቁጽጽር መንግስቲ ወጻኢ ኣብ ዝኾኑ ከባቢታት ሓገዝ ይበጽሕ የለን" ኢሉ።

ወሃቢ ቃል ሕቡራት ሃገራት ኣብ መግለጺኡ ንከተማ መቐለ ምስ ሽረ ኣብ ዘራኽብ ቀንዲ መንገዲ ዝተደኮኑን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር መንግስቲ ዘለዋን ከተማታት ናብ ዘሎ ህዝቢ ረድኤት ይባጻሕ ከምዘሎ ገሊጹ። ሰለስተ ሲሶ ህዝቢ ትግራይ ናብ ዝነብረሉ ገጠራት ግና ኣይበጽሓሎምን ዘሎ ኢሉ።

ንሱ ወሲኹ ከም ኣገደስቲ ኣገልግሎታት ኤለክትሪክ፣ ቴለኮሚኒከሽን፣ ባንኪን ነዳዲን ከምዝተቋረጸ ጠቂሱ ኣሎ። መጠን ጥምየት’ውን ይውስኽ ኣሎ ይብል።

"ኣብ ዕዳጋ ሕጽረታት እኽሊ ኣሎ፣ እቲ ውግእ ኣብ እዋን ኣዝመራ ዝኣትወሉ ምስ ምጅማሩ ተታሒዙ፣ ኣእካል ኣይተኣከበን። ምስ ትግራይ ዘራኽቡ ቀንዲ መገዲታት ሎሚ’ውን ተዓጽዮም ኣለው። ቅድሚኡ፣ ኩነተ ኮቪድ 19ን ወራር ኣንበጣን፣ ኣብ ህዝቢ ሕጽረት ዝተማለአ መግቢ ኣስዒቡ ነይሩ እዩ" ኢሉ።

ወሃቢ ቃል ሕቡራት ሃገራት የንስ ላርክ፣ 70 ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ትካላት፣ ኣብ ኣዲስ አበባ ፈቃድ ሓቲቶም ንመልሲ መንግስቲ ይጽበዩ ከምዘለውን፣ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፈቃድ ምስረኸቡ ከይደንጎዩ ናብ ትግራይ ንክኣትው ቅሩባት ኮይኖም ከምዘለው ተሓቢሩ'ሎ።

XS
SM
MD
LG