ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕቡራት ሃገራት ሓተቲ ዑቑባ ካብ ሊቢያ ብሓይሊ ምብራሮም ኮኒኑ


ስደተኛታት ኣብ ወደብ ኦጎስታ ኢጣልያ
ስደተኛታት ኣብ ወደብ ኦጎስታ ኢጣልያ

ሕቡራት ሃገራት ሓተቲ ዑቑባ ካብ ሊቢያ ብሓይሊ ምብራሮም ኮኒኑ።

ናይ ሕቡራት ሃገራት ቤት ፅሕፈት ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሓተቲ ዕቑባን ስደተኛታትን ብሰበስልጣን ሊቢያ ብሓይሊ ምብራሮም ስዒቡ ብዙሓት ናብ ሃገሮም ምስተመልሱ ማእሰርቲ ከጋጥሞም ይኽእል ክብል የጠንቅቕ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ካብ ሊቢያ ካብ መንጎ ዝተሰጎጉ ሱዳናዊያን መብዛሕቲኦም ካብ ጋንፎውዳን ኣል ኩፍራን ማእኸላት መዳጎኒታት ብጃምላ ዝተባረሩ ኾይኖም ብምድረበዳ ሰሃራ ኣቢሎም ብመጎዓዚያ ኣብ ዶብ ሊቢያን ሱዳንን ከምዝተራገፉ እቶም ተቖፃፀርቲ ሕቡራት ሃገራት ይሕብሩ።

ናይ ሕቡራት ሃገራት ቤት ፅሕፈት ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሰበስልጣን ሊቢያ ናይ ሓተቲ ዕቑባን ስደተኛታትን መሰላት ክሕልው ፅዊዑ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG