ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕርሻ ጣፍ ኣብ ኣመሪካ ልዑል ተቐባልነት ይረክብ'ሎ


ሕርሻ ጣፍ ኣብ ኣመሪካ ልዑል ተቐባልነት ይረክብ'ሎ
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:15 0:00

ሕርሻ ጣፍ ኣብ ኣመሪካ ልዑል ተቐባልነት ይረክብ'ሎ

ጥንታውነቱ ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ምዃኑ ዝንገረሉ እኽሊ ጣፍ ኣብዚ ኣብ ኣመሪካ'ውን ሓዲሽ ተቐባልነት እናረኸበ ይኸይድ ኣሎ። ካብ "ግሉትን ናጻ"` ብምዃኑ ተደላይነቱ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ጣፍ፡ ሓረስቶት፡ ኣብ ምዕራባውን ማእከላይ ምዕራብን ክፋላት ኣመሪካ ከፍርዩዎ ምጅማሮም ክግለጽ ጸኒሑ`ሎ።

ክፍለ ግዝኣት ነቫዳ ፡ በታ ማእከል ኢንዱስትሪ ቁማር ዝኾነት ከተማ ላስ-ቬጋስ`ያ ዝያዳ ትፍለጥ። ሎሚ ግን ኣብዛ ግዝኣት`ዚኣ፡ ገለ ሓረስቶት ንሓደ ተጠላብነቱ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ካብ ግሉትን ናጻ ዝኾነ ጥንታዊ እኽሊ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብምፍራይ ክብልጽጉ ይትስፈዉ`ለዉ።

ተስፋ ድራር፡ ስድርኡ ኣብ ኤርትራ ጣፍ ክሓርሱ ከለዉ እናሓገዞም`ዩ ዓብዩ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ንክምሃር ናብዚ ናብ ኣመሪካ ምስ መጸ`ምበኣር፡ እቲ ዝዓበየሉ ካብ ጣፍ ዝስራሕ እንጀራ ከም ዝናፈቖ ይገልጽ፡፡

“20 ፓውንድ ዘርኢ ጣፍ ካብ ኤርትራ ኣምጺአ ፡ ኣብ ቀጽሪ`ቲ ዝምሃረሉ ዝነበርኩ ዩኒቨርሲቲ መነሶታ ዘሪኤዮ። ካብኡ ዘፍረኽዎ ድማ ንዝተፈላለዩ ኮለጃትን ዩኒቨርሲታትን ክመራመርሉ ሂበዮም”።

ኣቶ ተስፋ ድራር ሕጂ 'ሰላም ፍዱስ' ዝብል ካምፓኒ መስሪቱ፡ ፍርያት ጣፍ ናብ ነጋዶ የከፋፍልን ብኦንላይ ይሸይጥን። እቲ መግቢ ብኸመይ ከምዝስራሕ ድማ ብፍላይ ንዘይፈልጡ የስተምህር።

ካብቲ ኣቶ ተስፋ ድራር ዝሓርሶ ዘሎ ከባቢ ውኒማካ ትብሃል ከተማ ነቫዳ፡ ብዙሕ ከይረሓቕካ ድማ 'ፋሉን' ትብሃል ናብ ዶብ ካሊፎርንያ ሸነኽ ካልእ ከተማ`ላ። ኣብኡ 'ደዘርት ዎዋሲስ ጤፍ ኤንድ ግሬየን' ዝብሃል ሕርሻ ዘለዎም ጃን ጌቶን ወዱ ማይልስን፡ ጣፍ ብመካይን ጽዒኖም ናብ ነጋዶ ካሊፎርንያን በብፓውንድ ጌሮም ድማ ናብ ነበርቲ`ቲ ኸባቢን ከምዘከፋፍሉ ይገልጹ።

ማይልስ ገቶ ከምዚ ይብል፡"ነቫዳ ፡ኣይዳሆ ፡ኣሪዞና፡ ደቡባዊ ካሊፎርንያ ዝበሉ ከባብታት ንሕርሻ ጣፍ ዝሰማምዑ`ዮም። ነቲ ናይ ኢትዮጵያ ኩነታት ኣየር ዝመሳሰሉ ይመስለኒ። ጣፍ ዝፈትዎ ብራኸን ውዕይ ዝበለ ኣየርን ኣለዎም።"

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ነቫዳ ሪኖ ዝርከቡ ተመራመርቲ ነዚ ደርቂ ዝጻወር እኽሊ ምስቲ ኩነታት ኣየር ከባቢ ዝሰማማዕ እንተኾይኑ ንምፍላጥ ብዕቱብ ይመራመርሉ ኣለዉ።

ፕሮፈሰር ጆን ኩሽማን ክኢላ ባዮ-ኬምስትሪ`ዩ፡"ምዕራባዊ ክፋል ኣመሪካ ብሰንኪ ለውጢ ክሊማ እናደረቐ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ገለ ምስቲ ኩነታት ዝሰማምዑ ኣእኻል ኣተኩሮና ክንገብር ኣገዳሲ ኮይኑ ስለዝረኸብናዮ ኣብ ጣፍ ምርምራትና ቀጺልና ኣለና።"

ባብ ደክስተር ድማ ካልእ ኣብ ከተማ ፋሉን ዘሎ ኣመሪካዊ ሓረስታይ ጣፍ`ዩ። ንሱ፡ ንኣፍራሱ ዝኸውን ስርናይ ስገም ኣላፋልፋ ከፍሪ ዝጸንሐ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ፡ ሕጂ ግን ጣፍ`ውን ክዘርእ ጀሚረ ይብል፡ ኣብቲ ካብ ሩባ ካርሰን ዝመጽእ ማይ ተጠቒሙ ዘፍርዮ ሕርሻ ኮይኑ፡"ኣፍራሰይ ፡ ሓሰር ጣፍ ፈትዮሞ`ለዉ። ምዕር ዝበለ መቐረት ኣለዎ። ድሓር ከኣ ጣፍ ነቶም ኣፍራስ ካብ ኣልፋልፋ ዝሓሸ ጥዕናዊ ጠቕሚ ይህቦም ኣሎ፡ ምኽንያቱ ጣፍ ዘለዎ ካርቦሃይድሬት ትሕት ዝበለ ስለዝኾነ ንጥዕንኦም`ውን ዝሓሸ`ዩ።"

ፕሮፈስር ኩሽማን ኣብቲ ምርምሩ፡ ጣፍ ዘለዎ ምስ ኩነታት ቀልጢፉ ናይ ምልምማድ ባህርይ፡ ንሓረስቶት ነቫዳ ጸጋታት ወሲኽሎም ኣሎ ይብል።

"ጣፍ ንምህርቲ ሕርሻ እንስሳ ልዑል ጠቕሚ ዝህብ ጥራይ ዘይኮነ፡ መኣዛዊ ሃብቲ ከምኡ`ውን ካብ ግሉትን ናጻ ዝኾነ ልዑል ጠቕሚ ስለዘለዎ፡ ንመግብነት ደቂ፡ሰባት`ውን ልዑል ረብሓ ከምዘለዎ ፈሊጥና ኣለና።"

ዕዳጋ ጣፍ ጠለባቱ ካብ ዳያስፖራ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናብ ጥዕና ዘገድሶም ዓማዊል ክሰፍሕ ዝዕዘብ ዘሎ ኣቶ ተስፋ ድራር፡ እቲ ልዑል ፋይበር ዘለዎ ሱፐር ፉድ ማለት ብሉጽ መግቢ፡ ዓለማዊ ተገዳስነት ኣጥርዩ`ሎ ይብል።

"ብጣፍ፡ ከም ኩኪስ፡ ፓንኬክ፡ ግዓት ወይ ፒዛ ዝበሉ መግብታት`ውን ክስራሕ ጀሚሩ`ሎ። ኣብዚ እዋን`ዚ ምስ ፒዛ-ሃት ዝተባህለ እንዳ ፒዛ ንዘራረብ ኣለና፡ ነቲ ካብ ግሉትን ናጻ ዝኾነ ጣፍ ክንህቦም`ሞ ከም ፒዛ ሰሪሖም ክሸጥዎ።"

ኣብ ጣፍ ዘሎ ጠለባት እናወሰኸ ይኸይድ ምሃላዉ ዝተዓዘበ ኣቶ ተስፋ ድራር፡ ብዘይካ ኣብ ነቫዳ ወይ መነሶታ፡ ሕርሻታቱ ናብ ግዝኣታት ካንሳስ: ቴክሳስ ካሊፎርንያ፡ ከምኡ`ውን ግዝኣት ዋሺንግተን የስፍሖ ከምዘሎ ኣፍሊጡ`ሎ።

XS
SM
MD
LG