ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ሕማም ኮቪድ-19 ኣብ ሓንጎል መጠናዊ ምዝባዕ ይፈጥር”ተመራመርቲ ዩኒቨርስቲ ኦክስፎርድ


ሕማም ኮቪድ-19 ንሓንጎል ሸምሪሩ፡ ናይ ስምዒትን ዝኽሪን ዋህዮታት ብኣሉታ ከም ዝጸሉ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኦክስፎርድ ብሪጣንያ ዝመደበሮም ተመመርቲ ኣመልኪቶም።

ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ነቸር ጂርናል (Nature Journal) ዝተሓትመ መጽናዕታዊ፡ ምስ ሕማም ኮቪድ-19 ዝተኣሳሰር ምትንኻፍ ናይ ሓንጐል ከም ዘጋጥም ኣመልኪቱ ኣሎ። እቲ ንስምዒትን ዝኽሪን ዘንቀስቕሱ ዋህዮታት ሓንጐል ከም ዝትንክፍ ዝጠቐሰ መጽናዕቲ፡ ከምኡ ኢሉ እቲ ሳዕቤን ኣብ ናይ ምሽታት ህዋስ’ውን ኣሉታዊ ተራ ከም ዘለዎ ይጠቅስ።

መጽናዕቲ ዘካየዱ ተመራመርቲ ኦክስፎርድ ኣብ 785 በቲ ሕማም ኮቪድ-19 ዝተለኽፉ ዜጋታት’ዩ ምርምር ኣካዪዶም። ኣብቲ መጽናዕቲ ዝተኻተቱ ዜጋታት ካብ 51 ክሳብ 81 ዝዕድመኦም ኰይኖም፡ ኣብ ውሽጢ 141 መዓልታት ሓንጐሎም ክልተ ግዜ ንዝደቐቐ መጽናዕቲ ስካን ተገይሩ።

እቲ መጽናዕቲ፡ ንምንጽጻር ዝኣክል፡ በቲ ሕማም ተለኺፎም ግን ከኣ ከቢድ ማህሰይቲ ዘይወረዶምን ንሆስፒታል’ውን ዘይከዱን’ውን ኣጠቓሊሉ ነይሩ። እንተዀነ፡ ኣብቶም ዝተሓተ ጽልዋ ናይቲ ሕማም ዝተራእዮም’ውን ተመሳሳሊ ውጽኢት ከም ዝረኸቡ የመልክቱ።

እቶም ተመርመራቲ፡ ሕማም ኮቪድ-19 ምስ ሓንጐል ልዑል ምትእስሳር ከም ዘለዎ ከመልክቱ እንከለዉ፡ ኣብቶም መጽናዕቲ ዝተኻየደሎም ሰባት ካብ 0.2% ክሳብ 2% ዝበጽሕ ናይ ሓንጐል ምሽምራር ከም ዘርኣዩ ይገልጹ።እቶም ተመራመርቲ በዚ ምምዝባል’ዚ ዝትንከፍ ድማ ኣቓልቦ ኣብ ምግባር ዝሰርሕ ክፋል ሓንጐል’ዩ ይብሉ ።

ገለ ካብቲ ብሰንኪ ኮቪድ-19 ተራእዩ ኢሎም ዝጠቕሱዎ ምልክታት ድማ ምሉእ ኣቓልቦ ምስኣን፡ ሓንጐል ምዕፋን፡ ምዝሕታል ቅልጡፍ ግብረ-መልሲን ምውህሃድ ሓሳባትን ይርከቡዎም።

ነቲ መጽናዕቲ ዘካየዱ ተመራመርቲ ክታበት ኣብ ምዕራይ እቲ ምምዝባዕ ክህሉዎ ዝኽእል ተራ ኣይጠቐሱን። ብኻልእ ትካል ጥዕና ብሪጣን ያ ኣብ ዝተገብረ መጽናዕቲ ግን እቶም ክታበት ዝወሰዱ ካብቶም ዘይተኸትቡ’ሞ ዝሓመሙ ዝፈዀሰ ሳዕቤናት ከም ዘለዎም ተጠቒሱ ኣሎ።

ኣብቲ ምርምር ተጠቒሱ ከም ዘሎ፡ ብኮቪድ-19 ብኸቢድ ዝተሃስዩ ወልቀ-ሰባት፡ ኣብ ሻምብቆታት ደሞም ብዝፍጠር ምዝባዕ፡ ንሓንጐሎም’ውን ክጸሉ ዝኽእል’ዩ። ንሱ ድማ ተደማሚሩ ክሳብ ሕማም ምርሳዕ ኣብ ምስዓብ ተራ ክጻወት ከም ዝኽእል ይጠቕሱ።

እቶም ተመራመርቲ ናይ ቀረባን ርሑቕን ሳዕቤናት ኮቪድ-19 ኢሎም ፈላልዮም ኣቐሪቦም ኣለዉ። እቲ ሳዕቤናት ናይ ቀረባ ክሳብ ኣዋርሕ ዝቕጽል ሳዕቤናት ክህሉዎ እንከሎ፡ ናይ ርሑቕ ግን ነዊሕ ምናልባት’ውን ነባሪ ሓድጊ ከም ዘትርፍ ይሕብሩ።

ውጽኢት እቲ መጽናዕቲ ኮቪድ-19 ንሓንጐል ብፍሉይ ዝጸልወሉ ምኽንያታት ጠቒሱ ኣሎ። ገለ ካብኡ ድማ ምስቲ ሕማም ተኣሳሲሩ ዝመጽእ ምጥፋእ ምልላይ ጨና፡ ኣቓልቦ ምስኣን፡ ምዝሕታል ዝኽሪ ወዘተ. እቶም ወሰንቲ መትናታት ሓንጐል ብምዃኖም፡ ንሳቶም በቲ ሕማም ድሕሪ ምትካፎም ምምዝባዕ ስለ ዝፍጠር’ዩ ይብሉ።

እቲ መጽናዕቲ ኣብ ብሪጣንያ ዝተኻየደ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብቲ እዋን ኣልፋ ዝተባህለ ፈልቂ ኮቪድ-19 ዝውቱር እንከሎ ዝተገብረ’ዩ። ምናልባት ምስ ድሕሪኦም ዝመጹ ከም ደልታ ወይ ኦሚክሮን ዝኣመሰሉ ፍልቅታት ካልእ ውጽኢት ክህብ ከም ዝኽእል ድማ እቶም ተመራመርቲ ይጠቕሱ።

እዚ ብተመራመርቲ ዩኒቨርስቲ ኦክስፎርድ ተኻይዱ ዘሎ መጽናዕቲ ኣብ ፈላማይ ገጽ ናይቲ ለበዳ ዘተኰረ’ዩ። እቲ ምርምራት ቀጻሊ ብምዃኑ፡ ምስ ግዜ ከምጽኦ ዝኽእል ምምዝባዕ ሓንጐል ኣብ ቀጻሊ ዝርአ ኢዩ።

XS
SM
MD
LG