መቐለ —
ሕማም ነፍሪ ማለት ኣንትራክስ ኣብ 15 ወረዳታት ክልል ትግራይ ምርኣዩ ሰብ-መዚ ጥዕና ትግራይ ኣመልኪቶም።
እዚ ብተመልዶ “መገረም” እናተባህለ ዝጽዋዕ ሕማም ካብ እንስሳታት ናብ ሰብ ዝመሓለለፍ ኰይኑ፡ ብሰንኪ ዘሎ ስእነት መድሃኒትን ክታበት እንስሳታትን ክጋደድ ከም ዝኸኣለ እቲ ዝበጽሓና ዜና የመልክት።