ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕማም ባልዕ ኣብ ሶርያ ይስዕርር


ምልክት ሕማም ሊሽማሃነይሲስ ዝኾነ ቁስሊ ዘለዎ ውልቀ-ሰብ ኣብ ኣሌፖ ሆስፒታል - (ፋይል)
ምልክት ሕማም ሊሽማሃነይሲስ ዝኾነ ቁስሊ ዘለዎ ውልቀ-ሰብ ኣብ ኣሌፖ ሆስፒታል - (ፋይል)

ተል-ታሚር ኣብ ዝተባህለ ሰሜናዊ ምብራቕ ሶርያ፡ ሊሽማሃነይሲስ (Leishmaniasis) ዝተባህለ፡ ብነኽሲ ባልዕ፡ ዝመሓላለፍ ሕማም ንኣሽሓት ሰባት የጥቅዕ ኣሎ።

ነባሮ ተል-ታምር ሶርያ፡ በቲ ብመንከስቲ ሃመማ-ሑጻ (sandfly) ዝመሓላለፍ ሊሽማሃነይሲስ ዝተባህለ ሕማም ኣመና ይሻቐሉ ኣለዉ። እቲ ሕማም ንቖርበት ቀሊጡ ውሽጣውያን ኣካላት’ውን ዘጥቅዕ’ዩ። ብሰንኪ ኣብቲ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ ዜጋታት ንበበይኑ ሕማማት ክቓልዑ ደኣ ይጽንሑ እምበር፡ ሕጂ ግን እቲ ሕማም ኣመና ሳዕሪሩ ከም ዘሎ ነበርቲ ይዛረቡ።

ኢማድ ሓሰን ካብ ማሕበር ቀይሕ-ወርሒ“ቀንዲ ጠንቂ እዚ ሕማም ቅርበት ፈለግ ካቡር ናብዚ ከተማ’ዩ። እቲ ፈለግ ክብከል ስለ ዝጸንሐ፡ ንበብይኖም ታህዋሳይን መፋርዪ ኰይኑ። ገለ ካብኣቶም ከኣ እዞም ሕማም ሊሽማሃነይሲስ ዘስዕቡ ሃመማ-ሑጻ’ዮም:”ይብል ።

ድሮ ኣስታት 13-ሽሕ ዝበጽሑ ነባሮ እቲ ከተማ በቲ ሕማም ተጠቒዖም ከም ዘለዉ ሰብ-መዚ ጥዕና ይገልጹ። እዚ ኣሃዝ 25% ናይ ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ ምዃኑ’ዩ: ሓካይም ከኣ መሊሱ ክብእስ ከም ዝኽእል የጠንቅቑ።

ሓካይም፡ ኣብ ሸሞንተ መድረኻት ዝወሃብ ነናይ ክልተ ሰሙን ፍወሳ፡ ነዚ ሕማም ከሕውዮ ከም ዝኽእል ይገልጹ። እቲ ሕማም ከኣ ዝያዳ ንህጻናት የጥቅዕ ከም ዘሎ የመልክቱ።

ሕጂ ብሰንኪ ዘሎ ሕጽረት ቀረባት፡ ልዕሊ ዓቕሞም ስለ ዝዀነ ግን ሓካይም ሓገዝ እንተ ረኸቡ ይምሕጸኑ ኣለዉ።

XS
SM
MD
LG