ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓፈሻዊ ባይቶ ሕ/ሃ ኣንጻር ረፈረንዱም ሩስያ ውሳነ የሕሊፉ፣ ኤርትራን ኢትዮጵያን ድምጸን ዓቂበን


ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት፡ ሩስያ ህዝበ ወሳነ ክትብል ዝጸወዓቶን ንክፍልታት ዩክሬን ንምጉባጥን ዝገበረቶ ፈተነ ዘይሕጋውን ልሙስን'ዩ ክብል ትማሊ መልእኽቲ የሕሊፉ።

ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ስጉምቲ ጎበጣ ሩስያ ዝኹነነሉን ዝነጸገሉን ውሳነ'ውን ኣጽዲቁ'ሎ።

እቲ ውሳነ ብ143 ሃገራት ደገፍ፣ ሓሙሽተ ድምጺ ተቓውሞን 35 ድምጺ ተዓቅቦን ሓሊፉ ኣሎ።

ኣብዚ ዳሕረዋይ ውሳነ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ንውሳነ ሩስያ ዝደገፋ ሓሙሽተ ሃገራት ሩስያ፡ ቤላሩስ፡ ሰሜን ኮርያ፡ ሶርያን ኒካራጓን’የን።

ኤርትራ፡ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ተቓውሞኣ ገሊጻ ምንባራ ዝዝከር ኰይኑ ሕጂ ግን ንኢትዮጵያ ሓዊስካ ድምጸን ዝዓቀባ 35 ሃገራት’ያ። ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ እዋን'ውን ኣብ ግዜ ድምጺ ምሃብ ኣይተረኽበትን።

እቲ ውሳነ ብሕጊ ቀያዲ ኣይኮነን ግን ኣብ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ሞራላዊ ክብደት ኣለዎ።

ፕረዚደንት ዩክሬን ቮለድማየር ዘለንስኪ ንውጽኢት'ቲ ምሃብ ድምጺ ኣመስጊኖም ሩስያ ዝገበረቶ ፈተነ ጎበጣ ፈጺሙ ኣፍልጦ ዘይወሃቦ'ዩ ኢሎም'ለዉ።

XS
SM
MD
LG