ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓጺር ጸብጻብ፤ ቃለ-ምልልስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዘቤታዊን ዓለማዊን ኵነታት


ካብ ምጽዋዕ ዝተኻየደ ቀዳማይ ክፋል ቃለ-ምልልስ፡ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ዛዕባ ኣብ ውሽጢ ሰሙን ዝካየድ፡ ብድምሩ ድማ ንሓደ ወርሒ ዝዝርጋሕ ምዃኑ ኣብ መእተዊ እቲ መደብ ተሓቢሩ።

ኣብዚ ናይ ሰንበት ፈላሚ ቃለ-ምልልስ ንኩነታት መሪሕነት ትግራይ ብመንጽር ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ከምኡ’ውን ንኣመሪካ ዘማእከለ ዓለማዊ ኣቃውማን ዝሓቍፍ’ዩ ነይሩ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ቃለ-ምልልሱ፡ ናብ ኲናት ምስ ክልል ትግራይ ዝተኣትወሉ ምኽንያት ከብርህ እንከሎ፡ ብወገን ወተሃደራዊ መሪሕነት ክልል ትግራይ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ፈደራልን ዳሕራይ ድማ ኤርትራን መጥቃዕቲ ምስ ተኻየደ ናብቲ ኲናት ክኣትዉ ከም ዝተገደዱ ኣመልኪቱ።

ከም መግለጺ ፕረዚደንት ኢሳይያስ እቲ ኲናት ካብ ፈለማኡ “ብመሪሕነት ትግራይ ዘይኰነስ ብዋሽንግተን’ዩ” ዝዝወር ኢሉ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ዘረባኡ፡ መራሕቲ ክልል ትግራይ ኣተግበርቲ ናይቲ መደብ እምበር ሓንጸጽቲ’ውን ኣይኰኑን። እቲ ዝተወጠነ ወታሃደራዊ መደብ ከምቲ ዝተደልዮ ገስጋስ ስለ ዘየርኣየ፡ ምምሕዳር ዋሽንግተን ንምድሓን ከም ዝተጓየዩ ድማ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ገሊጹ። ኣብ ፕሪቶሪያን ናይሮቢን ዝተፈረመ ስምምዓት ድማ ብኣመሪካ ተዳልዩ፡ ፈረምቲ’ውን ርእይቶ ኣብ ዘይብሎም ውዱእ ሰነድ ክፍርሙ ከም ዝተገብረ ገሊጹ።

ቅድሚ ሕጂ ብሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ኣብ ዝወሃብ ዝነበረ ተደጋጋሚ መግለጺታት፡ መንግስቲ ኣመሪካ ነቲ ኲናት ብሰላማዊ መገዲ ዝዓርፈሉ መገዲ ከም ዝድግፍ’ዩ። ብኣፍሪቃዊ ሕብረት ዝምእከል ዘተ ሰላም ምሉእ ብምሉእ ከም ዝድግፍ ድማ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ኣብ በበይኑ ኣጋጣሚታት ጠቒሱ ምንባሩ ይዝከር።

ምውጻእ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ክልል ትግራይ ብብዙሓት ወገናት ከዛርብ ጸኒሑ’ዩ። ዋላ’ኳ ብፍሉይ በቶም ጋዜጠኛታት ሕቶ ደኣ ኣይቕረበሉ’ምበር፡ ኣብቲ ኣስታት 40 ደቒቕ ኣቢሉ ንኢትዮጵያን ኤርትራን ዝሃቦ መግለጺ ግን ተንኪፉዎ ነይሩ። ፕረዚደንት ኢሳያስ ናይ ኤርትራ ምውጻእን ዘይምውጻእን “ምስምስም ንምትዕንቓፍ መስርሕ ሰላም’ዩ፡” ኢሉ ገሊጹዎ። ብዛዕባ ኣብ ክልል ትግራይ ተሪፉ ክህሉ ዝኽእል ሰራዊት ኤርትራ ወይ ድማ ኣብ ዶባት ምስ ሰሓበ፡ ሰራዊት ኤርትራ ዓሪዱሉ ዘሎ ቦታታት ግን መብርሂ ኣይሃበን። ብጋዜጠኛታት’ውን ነዚ ዝመስል ኣርእስቲ ኣይተሓተተን።

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበረ ኲናት፡ ብዅላቶም ተሳተፍቲ ኣካላት፡ እንኮላይ ሰራዊት ኤርትራ፡ ከበድቲ ሰብኣዊ ጥሕሰታት ከም ዝተፈጸመ በበይኖም ተሓለቕቲ ኣካላት ጸብጺቦም’ዮም። ብዛዕባኡ ግን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብቲ ቃለ-ምልልስ ኣይጠቐሰን።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብድምሩን ወገናት ከይሓበሩን ኣማኢት ኣሽሓት ከም ዝተቐትሉ ኣመልኪቱ ነይሩ። ኣብቲ ኲናት ብወገን ኤርትራ ዘሎ ሰብኣዊ ክሳራ ግን ኣይሓበረን። እዚ ሕቶ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ናይሮቢ ኬንያ’ውን ብጋዜጠኛታት ተሓቲቱ ነይሩ። ኣብ እዋኑ’ውን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ነቶ ሕቶ ኣይመለሳን።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ንዓለማዊ ፖለቲካዊ ዝምድናታትን ዝምልከት ርክብ ኤርትራን ምዕራብን፡ ብቐንዱ ድማ ተወራረስቲ ምምሕዳራት ኣመሪካ ንኣስታት 60 ዓመታት ዘይቅዱው ምንባሩ ብምጥቃስ፡ ኣብ እዋን ምምሕዳር ትራምፕ ግን ብፍሉይ ነቲ ሓርፋፍ ዝምድና ንምዕራይ ከም ዝተፈተነ ሓቢሩ። ናብ ፕረዚደንት ትራምፕ ደብዳብ ድሕሪ ምልኣኽ፡ “ምስ ኵሉ ዝበልካዮ ዘይክሰማምዕ ይኽእል’የ። ንመጻኢ ግን ብሓባር ክንሰርሕ ንኽእል ኢና፡” ዝብል ምላሽ ካብ ፕረዚደንት ትራምፕ ምርካቡ ጠቒሱ። ድሕሪኡ ግን እቲ ዝምድና ከም ዘይቀጸለ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ወሲኹ ገሊጹ።

ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዋሺንግተን ኣብ ዝተጋብአ ዋዕላ መራሕቲ ኣፍሪቃን ኣመሪካን፡ ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ውሑዳት ናብቲ ኣጋጣሚ ዘይተዓደማ ሃገራት ምንባራ ይዝከር።

እቲ ኣርባዕተ ሕቶታት ዝሓቘፈ ቀዳማይ ክፋል ቃለ-ምልልስ ንሰዓትን 20 ደቓይቕን’ዩ ከይዱ።

Recommended

XS
SM
MD
LG