ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓጋዚ ኮሚሽነር ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ኣምሓራ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም


ኣብ ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ኣምሓራ ሓላፊ ክፍሊ ልምዓት ኢንፎርመሽንን ሚዲያን ኮሚሽነር ሰይድ ኣሕመድ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ምውዓሎም ተፈሊጡ።

ብዛዕባ እዚ ዝተሓተቱ ኮሚሽነር ኮሚሽን ፖሊስ ኣበረ ኣዳሙ እቲ ጉዳይ ኣብ ምርመራ ስለዝርከብ ምስተወድአ ክግለፅ እዩ ኢሎም።

ኣብ ናይ ፌስቡክ ገፅ ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ኣምሓራ ዝወፀ ፅሑፍ ግን ሓጋዚ ኮሚሽነር ሰይድ ኣሕመድ ዝተኣስርሉ ምኽንያት ምስ ናይ 15 ሰነ መጥቓዕቲ ብዝተኣሳሰረ ሓላፍነቶም ስለዘይፈፀሙን ኣብቲ ጉዳይ ኣፍልጦ ኣለዎም ዝብል መርትዖ ስለዘሎን እዩ ይብል ።

XS
SM
MD
LG