ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓጋዚ ሚ/ጉ/ወ ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ ምስ ዝተፈላለዩ ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ ተራኺቦም ተዘራሪቦም


ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዑደቶም ብኢትዮጵያ ዝጀመሩ ሓጋዚ ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ንጉዳያት ኣፍሪቃ ቲቦር ናዥ ምስ ዝተፈላለዩ ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ ተራኺቦም: ተዘራሪቦም ኣለው።

እቶም በዓል ስልጣን ኣሜሪካ ትማሊ ምስ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ዶ/ር ወርቅነህ ገበየሁ ተራኺቦም ኣብ ሓባራዊ ምትሕብባር ዞባዊን ዓለምለኸ ጉዳያትን ዝተዘራረቡ ክኾኑ ከለው ኢትዮጵያ ንዘለውዋ ናይ ቁጠባን ፖለቲካዊን ለውጢታት ብዛዕባ ካብ ኣሜሪካ ዝወሃብ ደገፍ’ውን ተዘራሪቦም።

ቲቦር ናዥ ኢትዮጵያ ምስ ኤርትራ ተካይዶ ዘላ ምቅርራብን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ምቅርራብ ክህልው ዕድላት ንግዲን ኢኮኖሚን ንምክፋት ትገብሮ ዘላ ሃናጺ ዞባዊ ጽምዶ ብሓጎስ ከምተቐበልዎ ገሊጾም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG