ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓገግቲ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ፑቲን ዝውሰድ ማዕቀብ ክሰማምዑ ኣይክኣሉን


ሰነት ኣመሪካ
ሰነት ኣመሪካ

ሓገግቲ ኣመሪካ፡ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑትን ንዩክሬን ንኸይወርር ብዛዕባ ዝተሓስበ ቀጻዒ ማዕቀብ ዛጊት ክሰማምዑ ኣይክኣሉን። ይኹን`ምበር ንሩስያ ሓደ ጥሙር ዝኾነ ምላሽ ንምሃብ ሓባራዊ ጸቕጢ ኣብ ካፒቶል ሂል ቀጺሉ`ሎ።

ሰነተራት ኣመሪካ ኣንጻር ወራር ሩስያ፡ ንዩክሬን ኣብ ምሕጋዝ ብሓደ`ዮም ዘለዉ። እንተኾነ ነቲ ወራር ንምዕጻፉ ይሕግዝ ዝበልዎ ኣብ ልዕሊ ቭላድሚር ፑቲን ብዛዕባ ዝተሓስበ ማዕቀብ ኣብ ሓደ ክመጹ ኣይክኣሉን።


ደሞክራት ሰነተር ቲም ከይን ምስ ብጾቱ፡ እቲ ማዕቀብ፡ ከም መጠንቀቕታ ማለት እንተወሪርካ ማዕቀብ ክንገብረልካ ኢና ብዝብል ክዳሎ ከምዘለዎ ይኣምን። ሪፓብሊካን ግን እቲ ወራር ንኸይፍጸም ሕጂ`ዩ ብእኡ ንብኡ ማዕቀብ ክግበር ዝነበሮ ይብሉ።

ሪፓብሊካን ሰነተር ማይክ ራውንድስ፡ ንፑቲን ንምብርዓን ዝነበረና ዕድል ሓሊፉ`ዩ ይብል።

"ደንጉና ኢና ኢለ`የ ዝኣምን። ፑትን እንተወሪሩ ከቢድ ሳዕቤን ከምዝጽበዮ ከምዝርዳእ ኢና ክንገብር ኔሩና። ንህዝቢ ሩስያ ዘይኮነስ ነቶም ንዕኡ ዝድግፉ ኢና ማዕቀብ ክንገብረሎም ዘለና።"

ሪፓብሊካውያን፡ ንፕረዚደንት ባይደን ነቲ ቅልውላው ኣብ ምምላስ ብምድንጓይ ይነቕፍዎ። እንተኾነ ኣብ ካፒቶል ሂል ንሩስያ ኣብ ዝምልከት ዝውሃብ ምላሽ ሓድነት ከምዘድሊ ዘርኢ መንፈስ`ዩ ዘሎ።

ካብ መንጎ`ቲ ኣብቲ ማዕቀብ ኣብ ግምት ኣትዩ ዘሎ፡ ኣብ ባንክታት ሩስያ ከቢድ እገዳ ምግባር፡ ናብ ጀርመን ዝኣቱ ኖርድ ስትሪም 2 ዝተባህለ መተሓላለፊ ጋዝ ምዕጻው፡ ከምኡ ንዩክሬን ተወሳኺ ኣጽዋራት ምሃብ ዝብል`ዩ።

ደሞክራት ሰነተር ሪቻርድ ብሉመንታል፡ ነቲ ወራር ንምዕጻፍ ኩሉ ዓይነት እገዳታት ካብ ምግባር ክንቁጠብ የብልናን ይብል።

“ ዕቱብነትናን ሓድነትናን ክነርኢ ኣለና። ኣብ ምዕጻፍ ወራር ሩስያ ኣብ ሓደ ከምዘለና ዘርኢ ጥምረት እገዳ ክነውጽእ ኣለና። ንቁጠባ ሩስያ ዝሃሲ፡ ንዩክሬን ናይ ኣጽዋራት ሓገዝ ዝገብር፡ ከምኡ ድማ ወተሃደራት ኣመሪካ ኣብ ባይታ ዘይኣትውሉ ስጉምቲ`ዩ ዘድሊ። ሕጂ ፑትን እዚ መልእኽቲ`ዚ ዝበጽሖ ዘሎ ይመስል።"

ፕረዚደንት ባይደን ዝሓለፈ ሰሉስ ብዛዕባ ዩክሬን ዝገበሮ መደረ ሽሕ`ኳ ኪነው ማዕቀባት ኣማራጽታት`ውን ኔሮም`ዮም ዝብሉ ኣባላት ባይቶ እንተነበሩ ብኽልቲኦም ፓርትታት ተቐባልነት ዝረኸበ ይመስል።

ባይደን ኣብ ልዕሊ ሩስያ ቀጻዒ ማዕቀብ ክወስድ ስልጣን ከምዘለዎ ዘዘኻኸረ፡ መራሒ ውሑዳን ፓርቲ ሪፓብሊካን ሰነት፡ ሚች ምኮነል`ዩ።

ፕረዚደንታዊ ስልጣን ተጠቒምካ ዝውሰድ ስጉምቲ፡ ንሩስያ ዝበለጸ ቅጽበታዊ ኣመራጺ ክኸውን ይኽእል`ዩ፡ ምኽንያቱ ባይቶ ሰነት ኣመሪካ፡ ኣብዚ ወርሒ`ዚ ክልተ ኣኼባ ጥራይ`የን ተሪፈንኦ ዘለዋ።

XS
SM
MD
LG