ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓገግቲ ባይቶ ኣመሪካ ከም ግብረ መልሲ ዝተራእየ ኣልማማ ተኹሲ ዝተፈላለዩ ንድፍታት ሕጊ ኣሕሊፎም


ሓገግቲ ባይቶ ኣመሪካ፡ ከም ግብረ-መልሲ ናይቲ ኣብ ዝቐረባ ዝተራእየ ኣልማማ ተኹሲ ብረት፡ ዝተፈላለዩ ንድፍታት ሕጊ ኣሕሊፎም።

እቲ ንድፊ፡ ሕጊ-223 ናይ ድጋፍ ድምጺ፡ 24 ድማ ናይ ተቓውሞ ድምጺ ድሕሪ ምርካብ ክሓልፍ ክኢሉ`ሎ።

እቲ ሓዲሽ ንድፊ ሕጊ ኣውቶማቲክ ብረት ንምዕዳግ ዘፍቅድ ዕድመ ክብ ክብል፡ ከምኡ ድማ ነታ ብረት ዘድሊ ጠያይቲ ካብ 15 ንላዕሊ ከይሽየጥ ዝብል`ዩ።

ብኻልእ ሸነኽ ፡ሓደ ጉጅለ ደሞክራትን ሪፓብሊካንን፡ ካልእ ሓሳብ ማለት ፕሮግራም ጥዕና ኣእምሮ ክመሓየሽ፡ ጸጥታ ትምህርቲ ክሕይል ከምኡ ድማ ብረት ዝዕድግ ሰብ ድሕሪ ባይትኡ ተወሳኺ ምጽራይ ክግበረሉ ዝብል ሓሳባት ስለዝሓዙ እቲ ንድፊ ሕጊ ኮይኑ ዘይክሓልፍ ይኽእል`ዩ። እንተኾነ እቲ ንድፈ፡ሕጊ ነቶም ኣብ ዝመጽእ ሕዳር ዝካየድ ምርጫ ኣመሪካ ድምጺ ዝህብ ኣመሪካውያን ዕድል ዝህብ ክኸውን`ዩ ተባሂሉ`ሎ።

ብረት ምውናን በመሰረት ሕገ-መንግስቲ ኣመሪካ ፍቑድ ኮይኑ፡ ነዚ ንምቕያር ዝቃወሙ ኣባላት ባይቶ ኣመሪካ`ውን ተሰሚዖም`ዮም።

እንተኾነ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ኣብ ክፍለ-ግዝኣት ቴክሳስ ዝተፈጸመ ቅትለት 19 ቆልዑት ተመሃሮ፡ ንምውናን ብረት ዝምልከት ሓደ ፍታሕ ክርከበሉ ካብ ክልቲኦም ፓርትታት ኣመሪካ ተበግሶታት ጸኒሑ`ዩ።

XS
SM
MD
LG