ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓገዝ ኣብ ዘይብሉ፡ ቍጽሪ ናብ ኢትዮጵያ ዝስደዱ ሶማላውያን ይውስኽ


ፋይል
ፋይል

ብሰንኪ እቲ ኣብ ከባቢ ላስካኖድ ሶማል ተወሊዑ ዘሎ ጎንፂ ካብ ሃገሮም ተመዛቢሎም ናብ ኢትዮጵያ ክልል ሶማልያ ዝኣተዉ ብዝሒ ሶማሊያውያን 83-ሽሕ ከም ዝበፅሐ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ጉዳይ ተመለስቲ ኢትዮጵያን ኣብ ዘውጽኡዎ መግለፂ ኣፍሊጦም።

እቲ ሓባራዊ መግለፂ ከም ዝሕብሮ፡ ኣብ ዞባ ዶሎ ዝተዓቝቡ መብዛሕትኦም ደቀንስትዮን ህፃናትን ዝኾኑ ስደተኛታት፡ ስእነት መሰረታዊ ቀረባት ስለ ዘሎ ማሕበረሰብ ዓለም ክሕግዝ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ንድምፂ ኣመሪካ ርእይቶ ዝሃቡ ወሃቢ-ቃል ኣገልግሎት ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን ኢትዮጵያ ኣቶ በአካል ንጉሴ፡ ካብቶም ኣብ ክልል ሶማልያ ዘለዉ 83-ሽሕ ስደተኛታት ክሳብ ሕጂ ሓገዝ ክረኽቡ ዝኸኣሉ እቶም 2-ሽሕ ጥራሕ ከም ዝኾኑ ሓቢሮም።

እቶም ስደተኛታት መዓስከር ስለዘይብሎም ኣብ ሰጣሕ ጎልጎልን ትሕቲ ኣእዋምን ኣፅሊሎም ከም ዘለዉ እውን ኣቶ በኣካል ገሊፆም።

ኣብቶም ዝሓለፉ ሰሙናት ኣብ ከባቢ ላስኣኖድ ብዝተወለዐ ጎንፂ ልዕሊ 60- ሽሕ ሶማልያውያን ተመዛበልቲ ናብ ኢትዮጵያ ምእታዎም ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝሓለፈ ዓርቢ ኣፍሊጡ ነይሩ። ብሰንኪ እቲ ጎንፂ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ 1000 ሰባት ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝኣትዉ ኣመልኪቱ። በቲ ኣብ ወረዳ ላስኮኖድ ሶማል ዘጓነፈ ጎንፂ፡ 185 ሽሕ ሰባት ከም ዝተመዛበሉ እቲ ኮሚሽን ኣፍሊጡ'ሎ።

XS
SM
MD
LG