መቐለ —
ዓለምለኸ ኮሚተ ቀይሕ መስቀል ምስ ናይ ኢትዮጵያ ጨንፈር ብምትሕብባር 10 ኣምቡላንሳት ንኽልል ትግራይ ወፊዩ። ኣብቲ ሎሚ ኣብ መቐለ ዝተኻየደ ናይ ምርኽኻብ ስነ-ስርዓት ዝተረኽቡ ዝምልከቶም ሰበ-ስልጣናት፡ እቶም ኣምቡላንሳት ነቲ ኣዝዩ ተሃስዩ ዘሎ ጽላት ጥዕና ኣብ ምቅላል ተስፋ ከም ዘለዎን ገሊጾም። ነቲ ዘሎ መጠን ጋግ ዝበቅዕ ተወሳኺ ኣምቡላሳት ክልኣኻ’ውን ተላብዮም።