ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓድሽ ፕረዚደንት ፈደራል ጠቅላሊ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ተመዚዙ


ፕረዚደንት ፌደራል ጠቅላሊ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ነበር መኣዛ ኣሸናፊ
ፕረዚደንት ፌደራል ጠቅላሊ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ነበር መኣዛ ኣሸናፊ

ፕረዚደንት ፌደራል ጠቅላሊ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ መኣዛ ኣሸናፊን ምኽትለንን ሰለሞን አረዳ ብፍቃዶም መዝነቶም ምሕዳጎም ተገሊጹ።

ንዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት ፕረዚደንት ፌደራል ጠቅላሊ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ኾይነን ዘገልገላ መኣዛ ኣሸናፊን ምኽትለን ኣቶ ሰሎሞን አረዳን ሎሚ ሰሉስ 17 ጥሪ 2023 ብፍቃዶም መዝነቶም ምሕዳጎም ተገሊጹ።

ኣብ ክንድአን ኣቶ ቴድሮስ ምሕረትኣብ ከበደ ፕረዚደንት ፌደራል ጠቅላሊ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ወ/ሮ ኣበባ እምቢኣለ ኸኣ ምኽትል ፕረዚደንት ፌደራል ጠቅላሊ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ኾይኖም ብባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ተመዚዞም ኣለው።

XS
SM
MD
LG