ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓድሽ ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ ቃለ መሓላ ፈጺሞም


ሓድሽ ዝተመርጹ ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ ሎሚ ሰሉስ ቃለ መሓላ ፈጺሞም።

ናብ’ቲ ኣብ ስታድየም ዝተካየደ ስነ ስርዓት ንምእታው ኣብ ዝነበረ ጽቅጥቅጥ፣ ብውሑድ 40 ሰባት ቆሲሎም።

ብዙሓት ሰባት ናብ’ቲ ስታድየም ንምእታው ፈቲኖም እዮም። ሓላፊ ርክባት ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኬንያ ፒተር አብዋኦ ሰራሕተኛታት ሕክምና፣ ንኣስታት 40 ሰባት ከምዝሓከሙ ገሊጹ።

55 ዓመት ዝዕድሚኦም ዊልያም ሩቶ፣ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ንኩሎም ኬንያዊያን ብማዕረ ከምዝሰርሑ፣ ናይ ወጻኢ ልቃሕ ከምዝንክዩን ኣብ ልዕሊ ብልሽውና ከምዝወፍሩን’ውን ገሊጾም።

XS
SM
MD
LG