ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓድሽ ዝወጸ መጽናዕቲ ኣብ ግሪንላንድ ዝተባህለ ቦታ ዘሎ በረድ ዓብይ ጉድለት የጋጥሞ ምህላው ገሊጹ


ግሪንላንድ
ግሪንላንድ

ተመራመርቲ ስነ መሬት ደንማርክን ግሪንላንድን ኣብ 'ጆርናል ኔችር ክላይመት' ዝተባህለ መጽሄት ዘውጽእዎ ሓድሽ መጽናዕቲ ንብዙሓት ዘሰንብድ ትሕዝቶ ዝሓዘ'ዩ።

ብመሰረት’ቲ ትካል ዝሃቦ መግለጺ ተመራመርቲ’ቲ መጽናዕቲ ብሰንኪ ለውጢ ክሊማ ካብ ግሪንላንድ ዝጎድል ዘሎ በረድ ዓቐኑ ብርግጽ ምፍላጥ ከምዝተኸኣለ ይሕብሩ።

ብመሰረት’ቲ መጽናዕቲ መላእ ዓለም ነዳዲን ውጽኢት ነዳዲን ምጥቃም ሎሚ ደው እንተዘብል ሕጂ ብዘሎ መጠን 110 ኳድሪሊዮን ሜትሪክ ቶን በረድ ካብ ግሪንላንድ ይጠፍእ:እዚ ድማ ንዓለምለኸ ጽፍሒ ባሕሪ ብ27 ሰንቲ ሜትር ክብ ዘብል’ዩ።

ተመራመርቲ’ቲ መጽናዕቲ ነዚ መደምደምታ ዝበጽሑ ኣብ ዝሓለፉ 20 ዓመታት ዘካየድዎ ትዕዝብቲን ዓቐንን ምዃኑ ይገልጹ።

XS
SM
MD
LG