ሓድሽ ዝተመዘዙ ፍሉይ ልዑኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ማይክ ሃመር ኣብ ግብጺ፣ ሕቡራት ዓረብ ኢማራትን ኢትዮጵያን መገሻ ይፍጽሙ ኣለው።
ንሶም ካብ ትማሊ ሰንበት ጀሚሮም ንዝቕጽላ ሸውዓተ ናይ ሓደ ሰሙን መገሻ ኣብ ሰለስቲኤን ሃገራት ከካይዱ መደብ ኣለዎም።
ኣመሪካ ትልግሶ ዲፕሎማስያዊ ፍታሕ ንምስሕሓብ ጉዳይ ዓብዪ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ሰላማዊን ዝማዕበለን ዞባ ምፍጣርን፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ወከልቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ንጉዳይ ግድብ ህዳሴ ዝከታተል ክፍሊ ክዘራረቡ እዮም።
ብዘይካ'ዚ፣ ማይክ ሃመር ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝጸንሕሉ እዋን፣ ደረጃ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዛት ክግምግሙ፣ ኣብ ልዕሊ ፈጸምቲ ግህሰትን ግፍዒን ዝህሉ ተሓታታይነት፣ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሰበ ስልጣን ክልል ትግራይ ንዘሎ ጻዕሪታት መስርሕ ልዝብ ሰላም ክሰርሑሉ እዮም።
ኣመሪካ: ኣብ ኢትዮጵያ ኩሉ ሓቆፍ ፖለቲካዊ መስርሕ ንክትግበር ከምትግደስ፣ ሰላማዊት፣ ድሕነታ ውሑስን ዝማዕበለትን ኢትዮጵያ ምህላው ድልየት ኣመሪካ ከምዝኾነ ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ዝዘርገሖ መግለጺ ጠቂሱ።