ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓድሽ ዝተመረጹ ፕረዚደንት ሪፖብሊክ ኮንጎ ቃለ መሓላ ፈጺሞም


ፌለክስ ሺሰከዲ ሓዱሽ ፕረዚዳንት ዴሞክራሲያዊ ሪፖብሊክ ኮንጎ ብምዃን ሎሚ ሓሙስ ቃለ መሓላ ፈፂሞም። እዚ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ፈላማይ ሰላማዊ ስግግር ስልጣን እዩ።

ሺስከዲ ኣብ ፅምብል ቃለ መሓላ መደረ ከስምዑ ኣብ ዝነበርሉ ሕማም ከምዝተሰምዖምን ካብቲ መድረኽ ንሓፂር ግዜ ግልስ ኢሎም ከምዝነበሩን ተዛሪቦም።ብሰንኪ ነዊሕ መስርሕ ምርጫን እቲ ኣጋጣሚ ዝፈጠርሎም ስምዒትን ድኻም ስለ ዝተሰምዖም ምዃኑ ናብቲ መድረኽ ምስተመለሱ ኣብሪሆም።

55 ዓመት ዝዕድሚኦም ሓድሽ ፕረዚዳንት ፌለክስ ሺሰከዲ UDPS ናይ ዝተባህለ ፓርቲ መራሒ ክኾኑ ከለውን ወላዲ ኣቡኦም ድማ ንነዊሕ እዋን መራሒ ተቓዋሚ ዝነበሩን እዮም።

ፌለክስ ሺሰከዲ ንኮንጎ ን18 ዓመታት ካብ ዝመርሑዋ ፕረዚዳንት ጆሴፍ ካቢላ እዮም ስልጣን ተረኪቦም ዘለው።

XS
SM
MD
LG