ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓድሽ ዓይነት ቫይረስ ኮሮና ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ምርኣዩ ተገሊጹ


ተመራመርቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ሓድሽ ዓይነት ቫይረስኮሮና ምርካቦም ይገልጹ ኣለው::

ሃገራዊ ኢንስቲቱት ተመሓላለፍቲ ሕማማት እታ ሃገር ትማሊ ሶኑይ ከምዝገለፆ ብዝተኻየደ ሓዱሽ መፅናዕቲ C.1.2 ዝተብሃለ ዓይነት ንመጀመሪያ ግዜ ኣብ ወርሒ ግንቦት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ተራኢዩ።ካብ ሽዑ ጀሚሩ እቲ ቫይረስ ናብ ካልኦት ሸውዓተ ሃገራት ኣፍሪቃ ፣ኤስያን ኣውሮጳንን ዞባ ደቡባዊ ፓሲፊክ ኦሽያናን ተዘርጊሑ።

እቶም ተመራመርቲ ከምዝሓበሩዎ እዚ ዓይነት ወይ ቫሪያንት ኣብ ባህሪኡ ይኹን ናብ ሰባት ምትሕልላፍንናይ ምክልኻል ስርዓቶም ኣብ ምትንካፍን ተመሳሳሊ እዩ ኢሎም ኣለው።

XS
SM
MD
LG