ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓድሽ ውሳነ ምልዓል እገዳታት ኢሚግረሽን ኣሜሪካ ብመንጽር በዓል ሞያ ሕጊ ኢሚግረሽን ኣቶ ሚኪኤል ዓንደገርግሽ


ሓድሽ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ኣብ ፈላማይ መዓልቲ መዝነቶም ንኢምግሬሽን ዝምልከት ተፈጸምቲ ውሳነታት ኣሕሊፎም ኣለዉ። ንኢምግረሽን ዝምልከት ኣብ ልዕሊ ገለ ሃገራር ተነቢሩ ዝነበረ ገለ እገዳታት'ውን ከምዝዕጸፍ ጌሮም ኣለዉ።

ገለ ካብቲ ውሳነታት ኣቐዲሙ ኣብ ዝነበረ ምምሕዳር ፕረዚደንት ነበር ትራምፕ ተነቢሩ ዝነበረ እገዳ መገሻ ኣብ ልዕሊ ዝበዝሓ ካብ ህዝበን ኣመንቲ እስልምና ዝኾነ ሃገራትን ገለ ሃገራት ኣፍሪቃን ክለዓል፥ብዲቪ ዝፍለጥ ሎተሪ ክቕጽልን ኣብ ሓደ ዓመት ቁጽሪ ዝፍቐድ ቪዛ ድማ ካብ 55ሽሕ ናብ 80ሽሕ ክብ ክብል፥ኣብ ጉዳይ ምትእኽኻብ ስድራቤታት ዝምልከት ዝቐረበ ምምሕያሻት፥ ከምኡ ድማ ኣብ ኣብያተ ፍርዲን ቤት ጽሕፈታት ኢምግሬሽንን ዝደናጎዩ ጉዳያትን ዝሓልፉ ውሳነታት ዝምልከት ምምሕያሻት ክግበር ዝብሉ ይርከብዎም።

ብዛዕባ እዚኦምን ካልኦት ጉዳያት ኢምግሬሽንን ንበዓል ሞያ ሕጊ ኢምግሬሽን ኣቶ ሚኬኤል ዓንደጊዮርጊስ ኣዘራሪብናዮ ኣለና ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG