ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓድሽ ወታሃደራዊ መሪሕነት ሱዳን ካብ ዜጋታትን ዓለምለኸ ማሕበረሰብን ተቓውሞ ይገጥሞ


ሓደሽቲ ወታደራዊ ኣዘዝቲ ሱዳን ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመታት እታ ሃገር ናብ ስቪላዊ ምምሕዳር ክንመልሳ ምባሎም ተቓበልነት ካብ ተቓወምትን ዓለምለኸ ማሕበረሰብን ኣይረኸበን።ሰልፈኛታት ንኣዋጅ ስዓት እቶ እቶ ብምንፃግ ሕቶና ክሳብ ዝምለስ ተቓውሞና ቀፃሊ እዩ ይብሉ ኣለው።ስልጣን ዝጨበጡ ሓደሽቲ መራሕቲ ሱዳን ድማ ዑማር ኣል-በሽር ንዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ኣሕሊፍና ኣይንህቦምን ኢሎም።

ትማሊ ሓሙስ ብቴሌቪዥን ኣብ ዝተመሓለለፈ ሃገራዊ ኣዋጅ ሚንስትር ምክልኻል ሱዳን ኣዋድ ኢብኑፍ ፕረዚደንት ዑማር ኣል-በሽር ብወታደራዊ ዕልዋ መንግስቲ ካብ ስልጣኖም ምውራዶም ብምግላፅ ህድኣት ክሰፍን ሓቲቶም።ዶባት ሱዳን ከምዝዕፀውን መግለፂ ክሳብ ዝውሃብ ስዓት እቶ እቶም ምእዋጁን እውን ሓቢሮም።

ተቓወምቲ ግን በዚ ዕጉባት ኣይኮኑን። ‘’እቲ ቀዳማይ ወዲቑ እቲ ካልኣይ እውን ክወድቕ እዩ’’ ዝብል ድምፂ የስምዑ ነይሮም።

ኣዋሃሃዲ ተቓውሞን ወሃቢት ቃል ማሕበር ሰብሙያ ሱዳንን ሳራ ዓብደል ጃሊል ነቲ ስዓት እቶ እቶ ወይ ወታደራዊ ስርዓት ኣይንቕበሎን ኢላ።

“እዚ መቐፀልትታ ናይ ዝሓለፈ ስርዓት እዩ።መልክዕ ገፆም እዮም ዝቕይሩ ዘለው፤ዳግም ኣብ ጥቕሚ ይውዕሉ/ሪሳይክል ይኾኑ/ ኣለው።እቲ ዝነበረ ስርዓት ብሓድሽ ቅርፂ ክትካእ እዩ ድልየቶም፤ኣይንዕሸውን።እቲ ዓመፅ ክቕፅል እዩ።”

ዑማር ኣል-በሽር ኣንፃሮም ንኣዋርሕ ብዝተኻየደ ተቓውሞ ን30 ዓመታት ካብ ዝሓዝዎ ስልጣን ብምውራዶም ታሕጓሶም ዝገልፁ ዘለው ሰልፈኛታት ወታደራዊ ስርዓት ነታ ሃገር ክቆፃፀራ ድልየት የብሎምን።ኣሕመድ ዓባስ ሓደ ካብኦም እዩ።

ኣብ ሚንስትሪ ምክልካል ሱዳን ሰልፊ ተቓውሞ ሎሚ'ውን ቐጺሉ'ሎ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:36 0:00

“ንህዝቢ ሱዳን ዝውክል ስቪላዊ መንግስቲ እንተድኣ ዘይተተኺሉ ናይ ለውጢ ሕቶና ክሳብ ዝምለስ ኣድማና ክቕፅል እዩ።ቅቡላት ጠለባትና ክሳብ ዝማላእ ካብ ኣደባባይ ኣይንኸይድን።”

ሳሚ ኣሕመድ ዝተባህለ ካልእ ሱዳናዊ ተቓዋሚ እውን ተመሳሳሊ መልእኽቲ ኣለዎ።

“ንሕና ከም ሃገር፣ከም ህዝቢ ሱዳን ነዚ ዝብሃል ዘሎ ምሉእ ብምሉእ ንነፅጎ።ምኽንያቱ ካብ ሓደ ወንበር ናብ ካሊእ ወንበር ዝተመሓላለፈ ስልጣን እዩ።ንሕቶናን ድልየት ህዝብናን ዝምልስ ኣይኮነን።”

ዋሽንግተን ወታደራዊ መራሕቲ ሱዳን ሓይሊ ካብ ምጥቓም ክዕቀቡን ኣብ መንግስቲ ተሳትፎ ስቪላት ክፈቕዱን ፀዊዓ’ላ።

ሕብረት ኣውሮጳ ስልጣን ብቕልጡፍ ናብ ስቪላዊ ምምሕዳር ክመሓላለፍ ፀዊዑ’ሎ።

ኣብ ካርቱም ሎሚ ዓርቢ ጋዜጣዊ መግለፂ ዝሃቡ ሓደ ካብቶም ወታደራዊ መራሕቲ ጀነራል ዑማር ዘይን ኣበዲን ካብ ስልጣኖም ዝወረዱን ብክስታት ገበናት ኲናት ብዓለምለኸ መጋባእያ ዝድለዩን ዑማር ኣል-በሽር ንዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ኣሕሊፎም ከምዘይህቡዎም ኣፍሊጦም።

ብናይ ሱዳን ሚንስትር ምክልኻል ኣዋድ መሓመድ ኣሕመድ ኢብኑፍ ዝምራሕ ወታደራዊ ናይ ሽግግር ቤት ምኽሪ ንዝቕፅሉ ክልተ ዓመታት ስልጣን መንግስትነት ከምዝሕዝ ኣዊጁ’ሎ።ሱዳን ኣብ ትሕቲ ንሰለስተ ኣዋርሕ ዝፀንሕ ህፁፅ ኣዋጅ ዝወደቐት ክትኸውን ከላ ሕገ መንግስትን ፓርላማን እውን ተኣጊዱ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ምስማዕ ኣብዚ ይክኣል ።


XS
SM
MD
LG